ENA - ኢዜአ ትግርኛ
አርእስተ ዜና
ኣብ 11 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ካብ ንግዲ ወጻኢ ልዕሊ 7 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ
Jun 19, 2025 14
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /12/2017 (ኢዜኣ) ኣብ 11 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ካብ ንግዲ ወጻኢ 7 ነጥቢ 21 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ። መበል 38 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚ 11 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ዘትዩ። ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ በጀት ዓመት ኣብ ታሪኽ ንግዲ ወጻኢ እታ ሃገር ዝለዓለ ኣታዊ ተረኺቡ። ካብ ጠቕላላ ንግዲ ወጻኢ 4 ነጥቢ 59 ቢልዮን ዶላር ንምርካብ ተተሊሙ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ብምዝኽኻር፤ ኣብ ኣፈፃፅማ ልዕሊ እቲ ትልሚ 7 ነጥቢ 21 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሓቢሮም። ኣብ መወዳእታ እቲ በጀት ዓመት ልዕሊ 8 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝርከብ ትፅቢት ይግበር እውን ኢሎም። ኣብ 11 ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ካብ ንግዲ ወጻኢ ዝተረኸበ ምስ በጀት ዓመት 2016 እንትነፃፀር ልዕሊ 3 ነጥቢ 96 ቢልዮን ዶላር ወሰኽ ከምዘርኣየ ተዛሪቦም። ኣብ ማክሮ ኢኮኖሚ ውፅኢታዊ ካብ ዝኾኑ ኢኮኖሚያዊ ውፅኢታት ዓውዲ ንግዲ ወጻኢ ልዑል ኣፈፃፅማ እናተመዝገበሉ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም። ኣብ ንግዲ ወጻኢ ምችው ምህዳር ምፍጣሩ፣ዝተፈላለዩ ማሕለኻታት ሕግን ኣሰራርሓን ምፍትሖም፣ምስ ለኣኽትን መዳርግቲ ኣካላትን ብዝሓሸ ምውዳድ ስለዝተሰርሐ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ልዑል ኣታዊ ምርካብ ከምዝተኽኣለ ገሊጾም።
ሃገር ለኸ ምዝገባ መረፃ መጅሊስ ፅባሕ ክጅመር እዩ
Jun 19, 2025 17
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /12/2017(ኢዜኣ) ሃገር ለኸ ምዝገባ መረፃ መጅሊስ 2017 ዓ/ም ፅባሕ ከምዝጅመር ተገሊፁ። ኣብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ቦርድ ፈፃሚ መረፃ ኣብ ሃገር ለኸ መረፃ 2017 ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ። እቲ ቦርድ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፤ ኣብ ዝሓለፉ 5 ኣዋርሕ ከሳልጦ ዝፀንሐ ስራሕ ብምግላፅ ምዝገባ መረፃ መጅሊስ ንምስላጥ ቅድመ ምድላው ከምዝተዛዘመ ሓቢሩ። እቲ ቦርድ፤ እቲ መረፃ ኣሳታፍን ሓቛፍን ብዝኾነ መልክዑ ንምክያድ ኣድላይ ቅድመ ምድላው ከምዝገበረ እውን ገሊፁ። ስለዝኾነ እውን ሰዓብቲ እምነት እስልምና መለለዪ መንነቶም ብምሓዝ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ በቢ መስጊዱ ኣብ ዝሳለጥ ምዝገባ መረፅቲ ብምምዝጋብ ካርዲ መራፂ ንክወስዱ እቲ ቦርድ ፃውዒት የቕርብ።
ኣወሃህባ ኣግልግሎት መንግስቲ ንምምዕባል ዘኽእል ሪፎርም ይስራሕ ኣሎ-ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ መኩሪያ ሀይሌ (ዶ/ር)
Jun 19, 2025 12
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 12/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣወሃህባ ኣግልግሎት መንግስቲ ምምዕባልን ፀገም ሰናይ ምምሕዳር ብዘላቕነት ምፍታሕን ዘኽእል ሪፎርም እናገበረት ከምዝኾነት ኮሚሽነር ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ መኩሪያ ሀይሌ (ዶ/ር) ገሊፆም። ኮሚሽነር ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ መኩሪያ ሀይሌ (ዶ/ር)፤ ኢትዮጵያ ጎና ጎኒ ተተኣናግዶም መበል 10ይ ጉባኤ ኣገልግሎትን ምምሕዳርን መንግስቲ ሃገራት ኣባል ሕብረት ኣፍሪካን ዞባዊ ፎረም ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም። እቶም ጉባኤታት፤ ካብ 14 ሰነ 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልትታት ኣብ መኣከቢ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ክሳለጡ እዮም። እቶም ኮሚሽነር ኣብ መግለፂኦም ከምዝበልዎ፤ ጉባኤ ኣገልግሎትን ምምሕዳርን መንግስቲ ኣፍሪካ በቢ ክልተ ዓመት ዝሳለጥ ኣህጉራዊ ኩነት እዩ። እቲ ጉባኤ፤ ትካላት መንግስቲ ተለዋዋጢ ኩነታት ተፃዊሮም እናተጠራቕሙ ዝመፁ ፈተናታት ብቕልጡፍ ንምፍታሕ ዝዓለመ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም። ኣብ ኣፍሪካ ዝተኣከቡ ፀገማት ኣገልግሎት ብምፍታሕ ሓቛፊ፣ዘላቒ ልምዓት ዘምፅእን ተሓታትነት ዘስፍንን፣ሰብኣዊ መሰል ዘኽብር፣ምትሕብባር ህዝብታት ዘጠናኽሩ ትካላት ምፍጣር ዘኽእል ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም። “ኣገልግሎትን ኢኖቬሽንን መንግስቲ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ጎና ጎኒ ዝሳለጥ ዞባዊ ፎረም ውሕመ እውን ፈጠራ ብዝተሓወሶ መንገዲ ሰብ ተኮር ኣገልግሎት ምሃብ ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፆም። እዚ ፎረም፤ 17 ዘላቒ ሽቶታት ልምዓት 2030 ውሕመን 20 ስትራቴጂካዊ ሽቶታት ኣጀንዳ 2063 ኣፍሪካን ንምዕዋት ጠንካራ ትካል ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ ነዞም ሽቶታት ንምዕዋት ሪፎርም ኣገልግሎትን ምምሕዳርን መንግስቲ ብምሕንፃፅ ማዕቐፍ ፖሊስን ሕግን ከምዘዳለወት እውን ተዛሪቦም።
ፀገም ፈታሕቲ ስራሕቲ ፈጠራ “ምፍጣርን ምቕልጣፍን” ዝብል ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ሽቶኡ ንምብፃሕ ርኡይ ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ እዮም
Jun 19, 2025 12
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /12/2017 (ኢዜኣ) ፀገም ፈታሕቲ ስራሕቲ ፈጠራ “ምፍጣርን ምቕልጣፍን” ዝብል ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ሽቶኡ ንምብፃሕ ርኡይ ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝኾኑ ምክትል ከንቲባን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትርን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ገሊፆም። “ሓሳብ ፈጠራ ንብሩህ ፅባሕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ክካየድ ንዝፀንሐ ውድድር ሓሳብ ፈጠራ ንግዲ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ይሳለጥ ኣሎ። ምክትል ከንቲባን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትርን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሰለስተ ዙራት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሓሳብ ፈጠራ ንግዲ ዝተባባዕ ውጽኢት ተመዝጊቡ እዩ። እቲ ውድድር፤ መንእሰይ ፈጣሪ ስራሕ፣ተወዳዳርን ኣብ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ እታ ሃገር ዝለዓለ ተሳትፎ ንክህልዎን ካብ ምኽኣል ብተወሳኺ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዘለዎ ዓቕሚ ንምውጻእ ዕድል ፈጢሩ እዩ ኢሎም። መናእሰይ ዘፈልፍልዎም ፀገም ፈታሕቲ ሓሳባት ፈጠራ ብዘላቕነት ኣብ ረብሓ ንምውዓል ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም። ብፍላይ ድማ ዝምዕብሉ ስራሕቲ ፈጠራ ካብ ሃገር ሓሊፎም ዓለም ለኸ ተደላይነት ንክህልዎም ምስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም። መንግስቲ በቢእዋኑ ፅሬቶም፣ድሕንነቶምን ፀገም ፈታሕቲ ምዃኖምን ዝተረጋገፁን ዝተመረፁን ስራሕቲ ፈጠራ ተግባራዊ ንምግባር እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣረዲኦም። ከም ኣብነት እውን እቲ ውድድር ሓሳብ ፈጠራ ሓደ መርኣያ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ድማ “ምፍጣርን ምቕልጣፍን” ዝብል ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ሽቶኡ ንምብፃሕ ርኡይ ኣስተዋጸኦ እናበርከተ ከምዝርከብ ገሊፆም። ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ሓላፊ ቢሮ ስራሕን ክእለትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጥራቱ በየነ ብግደኦም፤ ስራሕቲ ፈጠራ መናእሰይ ኩነታት መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽ ርኡይ ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ኣብ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ስራሕ ባህሊ ምግባር ጉዳይ ህልዉና ክኸውን ኣለዎ-ሚኒስትር ሙፈሪሃት ካሚል
Jun 19, 2025 12
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 12/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ስራሕ ባህሊ ብምግባር መፍረያይነት ምዕባይ ጉዳይ ህልዉና ክኸውን ኣለዎ ክብላ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን። “ባህልን መፍረያነትን ስራሕ ንልኣላውነት ሃገር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መዳርግቲ ኣካላት ዘሳተፈ ዘተ ፓነል ኣብ ማእኸል ዓለም ለኸ ኮንቬንሽን ኣዲስ ይካየድ ኣሎ። እቲ ዘተ ፓነል፤ ብምትሕብባር ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎትን ዝተዳለወ እንትኸውን፤ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል፣ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ተሻለ በሬቻ (ዶ/ር)፣ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ኣይተ ሰለሞን ሶካ፣ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ሰይፈ ደርቤ፣ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልላትን ከምኡ እውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም። ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ብኢኮኖሚ ዓርስኻ ንምኽኣል ዝግበር ፃዕሪ ንክዕወት ጠንካራ ባህሊ ስራሕ ምጥንኻር ይግባእ። ኣብ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ስራሕ ባህሊ ምግባር ጉዳይ ህልዉና ክኸውን ይግባእ እውን ኢለን። ስለዝኾነ እውን በቢከባቢኡ ዘሎ ፀጋ ተጠቒሙ ሰሪሑ ንምዕባይ ካብ ቤተሰብ ጀሚሩ ዘሎ ባህሊ ስራሕ ንክልወጥ ምስርሕ ከምዝግባእ ሓቢረን። ባህሊ ስራሕ ንምህናፅ ዝተትሓዘ ሽቶ ዝዕወት ንቃተ ህሊና ማሕበረሰብ እንትዓቢ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ እቲ ሚኒስቴር መድረኽ ምኽክር የሳልጥ ኣሎ ኢለን። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ብግደኦም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ባህሊ ስራሕ ንክህነፅ መድረኽ ልውውጥ ልምድን መጨበጢ ግንዛበን ቀጻልነት ብዘለዎ መልክዑ ምክያድ ወሳኒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ሃገራዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ባህሊ ስራሕ ምህናፅን ግንዛበ መዳርግቲ ኣካላት ምስፋሕን ኣድላይ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ናይ ሎሚ መድረኽ እውን እዚ ሽቶ ንክዕወት ዓብይ እጃም ኣለዎ ኢሎም። ኢዜኣ እውን ካብ ዜናን ዜና ተንከፍን ሓበሬታታት ምብፃሕ ብተወሳኺ ኣብ ጉዳያት ሃገራዊ ምርድዳኣት እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ፖለቲካ

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ህፃናት ብኣካልን ኣእምሮን ጠንኪሮም ንክዓብዩ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Jun 18, 2025 26
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /11/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ህፃናት ብኣካል፣ኣእምሮን ስነ ልቦናን ጠንኪሮም ንክዓብዩ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ከንቲባ ምምሕዳር እቲ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። “ኣብ ኣፍሪካ ፅሬት ዘለዎን ሓቛፍን ክንክን ህፃናት ንምቅልጣፍ ምጥንኻር ሓባራዊ ምትሕብባር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክንክን ህፃናት ኣፍሪካ ዝጠመተ ጉባኤ ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ። ከንቲባ ምምሕዳር እቲ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ከምዝበልኦ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ሓለዋ መሰል ህጻናት ቀዳምነት ትኹረት ካብ ዝወሃቦም ብሄራዊ ዛዕባታት እቲ ሓደ እዩ። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እውን ንኩለ መዳያዊ ዕቤት ህፃናት ትኹረት ብምሃብ እናተሰርሐ እዩ ኢለን። ስራሕቲ ምስፍሕፋሕ ህንፀት መውዓሊ ህጻናትን ስፍራታት መፃወትን መርሃ ግብሪ ቀዳማይ ዕቤት ቁልዕነት እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ተዛሪበን። ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ብኣማኢት ኣሽሓት ንዝቑፀሩ ተምሃሮ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ንኸምገቡ እናተገበረ ከምዝኾነ እውን ሓቢረን። መፃኢ ሂወት ህፃናት ኣፍሪካ ዝሓሸ ንምግባር ምትሕብባርን ትርጉም ዘለዎ ተግባራዊ ስጉምት ምውሳድን ከምዘድሊ ኣረዲአን። ህፃናት ምዕባይ ሓባራዊ ሓላፍነት ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ህፃናት ብሕብረት ናይ ምዕባይ ኣፍሪካዊ ባህሊ ምስቲ ሕዚ ዘሎ ነባራዊ ኩነታት ብምጥዕዓም ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ገሊፀን።
ምኽፋት ምህዳር ፖለቲካ ኣብ 2010 ዓ/ም ዝወሰንናዮ ቁልፊ ውሳነ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jun 18, 2025 19
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 11/2017(ኢዜኣ) ምኽፋት ፖለቲካዊ ምህዳር ኣብ 2010 ዓ/ም ዝወሰንናዮ ቁልፊ ውሳነ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ካብቲ እዋን ጀሚሩ ንነዊሕ ዘበን ዝፀንሐ ውድባት ተቓወምቲ ጌርካ ካብ ምርኣይ ሕጋዊ ተናሓናሕቲ ጌርካ ብምትእንጋድ ዲሞክራሲያዊ ሃዋሁ ንምፍጣር ጠንኪርና ሰሪሕና ኢና ኢሎም። እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ስግግር ሰላማዊ ባህሊ ንሕንሕ ንቀፃሊ ተስፋ ኢትዮጵያ ኣድላይ ስለዝኾነ ኣብ ምትእምማን መሰረት ዝገበረ ከምዝነበረ እውን ሓቢሮም። እዚ ቅዋም ሒዝና እውን ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምስ ዝተመዝገቡ ውድባት ተኸታታሊ መድረኸ እናካየድና ፀኒሕና ኢና ክብሉ ፀሪሖም። ሎሚ እውን ኣካል ኣብዚ ሰሙን ነሳልጦም ዘለና ዘተታት መዳርግቲ ኣካላት ዝኾነ ዘተ ምስ ውድባት ፖለቲካ ኣሳሊጥና ኢሎም። እዚ ድማ ካብ ዝመፅሉ ከባቢ ዝለዓሉ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ብምድማፅ እታዎት ንምውሳድ ዝዓለመ ከምዝነበረ ኣረዲኦም።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ገበናት ብገበን ዝተረኸበ ንብረት ሕጋዊ ምምሳልን ንግብረ ራዕዲ ብገንዘብ ምድጋፍን ንምክልኻል ዝወፀ መመሓሺ ኣዋጅ ኣፅዲቑ
Jun 17, 2025 34
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 10/2017 (ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ገበናት ብገበን ዝተረኸበ ንብረት ሕጋዊ ምምሳልን ንገበን ግብረ ራዕዲ ብገንዘብ ምድጋፍን ንምክልኻል ዝወፀ መመሓሺ ኣዋጅ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝገበሮ መበል 37 ስሩዕ ኣኼባ ቀዋሚ ኮሚቴ ሕግን ፍትሕን ኣብ ዘቕረቦ ሓሳብ ውሳነ ዘትዩ። ምክትል ኣካቢ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣይተ ኢሳ ቦሩ፤ ካብቶም 58 ዓንቀፃት እቲ ነባር ኣዋጅ 7890/2005 እቶም 14 መመሓየሺ ከምዝተገበረሎም ገሊፆም። ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ብግደኦም፤ ኣብቲ ኣዋጅ ምምሕያሽ ምግባሩ ነታ ሃገር ዝበለፀ ጠንካራ ሕጊ ዘድሊ ስለዝኾነ ግቡእ እዩ ኢሎም። ኣብ ሓደ ሓደ ዓንቀፃት ንኣካላት ፀጥታ ካብ ዝተውሃቡ መሰላት፣ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ሃገር ዝወፀ ገንዘብ ምምላስ፣ግብረ ራዕዲ ብገንዘብ ዝደገፉ ሰባት ብሕጊ ኣብ ምሕታት እቲ መመሓየሺ ክንደየናይ ምክልኻል ከምዝኽእል እውን ሕቶታት ተላዒሎም። መመሓሺ እቲ ኣዋጅ ምክረ ሓሳብ ዓለም ለኸ ግብረ ሓይሊ ፋይናንስ መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ገሊፁ። እቲ ቤት ምኽሪ ብሰፊሑ ድሕሪ ምዝታዩ ገበናት ብገበን ዝተረኸበ ንብረት ሕጋዊ ምምሳልን ግብረ ራዕዲ ብገንዘብ ምድጋፍን ንምክልኻል ዝቐረበ መመሓየሺ ኣዋጅ 1387/2017 ኮይኑ ብኣብዝሓ ድምፂ ፀዲቑ። ብተወሳኺ እውን እቲ ቤት ምኽሪ ረቂቕ ኣዋጅ ስታርት ኣፕ ብዝርዝር ንክረአ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ልምዓት ሓይሊ ሰብ፣ወፍሪ ስራሕን ቴክኖሎጅን መሪሑ።
ኢትዮጵያ እቲ ዞባ ብቀረብ ሓይሊ ንምትእስሳር ብቆራጽነት እናሰርሐት እያ-ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)
Jun 17, 2025 33
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /10/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ እቲ ዞባ ብቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምትእስሳር ብቆራጽነት እናሰርሐት ከምዝኾነት ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ገሊጾም። መበል 4ይ ዓመታዊ ኮንፈረንስ ፍትሓዊ ተጠቃምነት ሩባ ናይልን ዞባዊ ምትእስሳርን ይካየድ ኣሎ። እቲ መድረኽ፤ “ዞባዊ ምትእስሳር ሓይሊ ንሓቛፍን ዘላቕን ልምዓት” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወጻኢ ምስ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያን Konrad Adenauer Stiftungን ብምትሕብባር ዘዳለዎ እዩ። ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)፣ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጂነር ሀብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)፣ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወጻእን ሰላምን ዲማ ነገዎ (ዶ/ር)፣ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወጻኢ ጃፋር በድሩን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም። ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዞባዊ ውህደትን ምትሕብባር ኣጀንዳን ንምዕዋት ወሳኒ እዩ። ምትእስሳር ሓይሊ እቲ ዞባ ንኩለመዳያውን ዘላቕን ልምዓት ሃገራት ኣፍሪካ እምነ ኩርናዕ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም። ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ጭቡጥ ዝኾነ ምትእስሳር ሓይሊ ንምፍጣር ብቆራፅነት እናሰርሐት እያ ትርከብ ኢሎም። ግድብ ኣፍሪካውያን ዝኾነ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ሓደ መርኣያ ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም። ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ንኬንያ፣ሱዳንን ጅቡትን ሓይሊ እናቕረበት ከምዝኾነት ብምሕባር፤ ኣብ ቀጻሊ እዚ ብምስፍሕፋሕ ንሶማሊያ፣ደቡብ ሱዳንን ታንዛንያን ንምቕራብ ኣብ ከይዲ ከምዝኾነት ተዛሪቦም። እቲ ዞባ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ምትእስሳሩ ንፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ምስፍሕፋሕ ኢንዱስትርን ምርግጋፅ ዘላቒ ልምዓትን ወሳኒ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብ ሓባራዊ ተረኽ ንምህናፅ እጃሞም ክዋፅኡ ኣለዎም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
Jun 17, 2025 32
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 10/2017(ኢዜኣ) ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብ ሓባራዊ ተረኽ ኣብ ምህናፅ ሞያዊ ሓላፍነቶም ንክዋፅኡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ፃውዒት ኣቕሪቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ጥበብ ዘትዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ዘተ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ታሪኽ ዓለም ይኹን ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኪነ -ጥበብ ስልጣነ ንምምፃእን ብልፅግና ንምርግጋፅን ዘይትካእ እጃም ኣለዎ። “ስልጣነን ኪነ -ጥበብን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም እዮም ስራሕ ክሰርሑ ዝኽእሉ፣ኪነ ጥበብ ምናባዊ ሓይሊ ኣለዎ እዩ” ኢሎም። ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካልኦት ድሌት ዕቤት ንዘለወን ሃገራት ኪነ- ጥበብ ቁልፊ እጃም ዘለዎ ዓውዲ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም። ምንባብ ኪነ -ጥበብ፥ኢንዱስትርን መንግስትን ንዕቤት ሃገራት ርኡይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ እውን ገሊፆም። ኣብዚ መዳይ ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅን ቀፃሊ ዕድል ደቅና ንምስራሕን መንግስትን ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብን ብሓባር ክሰርሑ ከምዘለዎም ኣረዲኦም። ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብ መንግስቲ ኣብ ዝሰርሐሉ ዘሎ ህንፀት ሓባራዊ ተረኽ ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ንክዋፅኡ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኪነ -ጥበብ ጣሕሳን ምንፅርፃርን ጥራሕ ዘይኮነስ ወነ ክፈጥር ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jun 17, 2025 30
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /10/2017(ኢዜኣ) ኪነ -ጥበብ ጣሕሳን ምንፅርፃርን ጥራሕ ዘይኮነስ ወነ ክፈጥር ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ጥበብ ዘትዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ዘተ ካብቶም ተወከልቲ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽን መብራህርህን፤ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ፀገም ጥራሕ ዘይኮነስ ተስፋ ኣብ ዘርእዩ ስራሕቲ ጠመተ ክገብሩ ይግባእ ኢሎም። ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብ ካብ ኣብ ፖለቲካ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ብትኹረት ብምስራሕ ዝሓስብዎ ምስኻዕ ከምዝኽእሉ እውን ተዛሪቦም። ኪነ -ጥበብ ብመንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ በቲ በዓል ሞያ ክዝከር ከምዘለዎን እቲ ኢንዱስትሪ ንክዓቢ ኢትዮጵያ ክትዓቢ ከምዘለዋን እውን ሓቢሮም። ነዚ ድማ ኢንዱስትሪ ፊልም ቱርክ፣ህንድን ኮርያን ከም ኣብነት ፀሪሖም። ኢትዮጵያ ብዙሕ ባህሊ ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኪነ -ጥበብ ኢትዮጵያ ማዕቢሉ ኣብ ኣፍሪካን ዓለምን ዝረአ ነገር ምፍጣሩ ከምዘይተርፍ ገሊፆም። ብሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን መድረኽ ህዝቢ ንህዝቢ እናተዳለወ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ተጠናኺሩ ንክቕፅል መንግስቲ ደገፍ ክገብር እዩ ኢሎም። ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብ ብዋናነት ኣብ ኣመለኻኽታ ክሰርሑ ከምዝግባእ ብምትሕስሳብ፤ ኪነ- ጥበብ መዘናግዒ ጥራሕ ዘይኮነስ ሽቶን ልኡኽቶን ዘለዎ ክኸውን ከምዘለዎ እውን ኣረዲኦም። ኣርቲስት ቋንቋ ከምዘለዎ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣክቲቪስት ምዃን እንተደልዩ ካባን ክብርን ኣርቲስትነት እናወደቐ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም። ብተወሳኺ እውን መንግስቲ ጉዳያት ፖሊሲ፣ኣሰራርሓን ኣወዳድባን ፈትሹ ዝዕረ ንምዕራይ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም። ኪነ -ጥበብ ሓቛፍን ወለዶ ኣብ ዝሃንፅን ሓባራዊ ተረኽ ዝሰርሕ ምዃኑ ምርግጋፅ ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም። ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብ ኣብ ሓደ ጠንካራ ማሕበር ክተኣኻኸቡ ከምዘለዎም ተዛሪቦም። “ኢትዮጵያ ተስፋ ኣለዋ፤ ክትምዕብል እያ። ግምት ዘይኮነስ ዓቕሚ ኣለዋ እዩ” ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፤ “እትምዕብል ፀገም ንምቕባል ድሉው እንተኾይንና እዩ” ክብሉ እውን ፀሪሖም። “ብልፅግና ሪኦም ካብ ዝነብርሉን ካብ ዝካፈሉዎን ሰባት ዘይክኸውን ይኽእል እየ ይኹን እምበር መሰረት ብልፅግና ኣንቢሮም ካብ ዝሓልፉ ሰባት ሓደ እየ” ኢሎም። ኣብ ራኢ ኢትዮጵያን ኣብ እዋን ፀገምን ንዝተሳተፉ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ምስጋና ዘቕረቡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ “እንትንምዕብል ሽምኩም ብኣሰር ወርቂ ዝተፅሓፈ ክኸውን እዩ” ኢሎም። ብተፃራሪኡ ድማ”ኣብቲ እዋን እንትንደልየኩም ዝኸዳዕኹምና ይቅርታ ገይርናልኩም ኢና” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ “ኢትዮጵያ ኣይትኸሓዱ ኢትዮጵያ ክሒድካ ሃፍታም ካብ ምዃን እንተዝተርፍ ይሓይሽ”ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ማሕበራዊ
ሃገር ለኸ ምዝገባ መረፃ መጅሊስ ፅባሕ ክጅመር እዩ
Jun 19, 2025 17
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /12/2017(ኢዜኣ) ሃገር ለኸ ምዝገባ መረፃ መጅሊስ 2017 ዓ/ም ፅባሕ ከምዝጅመር ተገሊፁ። ኣብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ቦርድ ፈፃሚ መረፃ ኣብ ሃገር ለኸ መረፃ 2017 ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ። እቲ ቦርድ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፤ ኣብ ዝሓለፉ 5 ኣዋርሕ ከሳልጦ ዝፀንሐ ስራሕ ብምግላፅ ምዝገባ መረፃ መጅሊስ ንምስላጥ ቅድመ ምድላው ከምዝተዛዘመ ሓቢሩ። እቲ ቦርድ፤ እቲ መረፃ ኣሳታፍን ሓቛፍን ብዝኾነ መልክዑ ንምክያድ ኣድላይ ቅድመ ምድላው ከምዝገበረ እውን ገሊፁ። ስለዝኾነ እውን ሰዓብቲ እምነት እስልምና መለለዪ መንነቶም ብምሓዝ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ በቢ መስጊዱ ኣብ ዝሳለጥ ምዝገባ መረፅቲ ብምምዝጋብ ካርዲ መራፂ ንክወስዱ እቲ ቦርድ ፃውዒት የቕርብ።
ፀገም ፈታሕቲ ስራሕቲ ፈጠራ “ምፍጣርን ምቕልጣፍን” ዝብል ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ሽቶኡ ንምብፃሕ ርኡይ ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ እዮም
Jun 19, 2025 12
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /12/2017 (ኢዜኣ) ፀገም ፈታሕቲ ስራሕቲ ፈጠራ “ምፍጣርን ምቕልጣፍን” ዝብል ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ሽቶኡ ንምብፃሕ ርኡይ ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝኾኑ ምክትል ከንቲባን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትርን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ገሊፆም። “ሓሳብ ፈጠራ ንብሩህ ፅባሕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ክካየድ ንዝፀንሐ ውድድር ሓሳብ ፈጠራ ንግዲ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ይሳለጥ ኣሎ። ምክትል ከንቲባን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትርን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሰለስተ ዙራት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሓሳብ ፈጠራ ንግዲ ዝተባባዕ ውጽኢት ተመዝጊቡ እዩ። እቲ ውድድር፤ መንእሰይ ፈጣሪ ስራሕ፣ተወዳዳርን ኣብ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ እታ ሃገር ዝለዓለ ተሳትፎ ንክህልዎን ካብ ምኽኣል ብተወሳኺ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዘለዎ ዓቕሚ ንምውጻእ ዕድል ፈጢሩ እዩ ኢሎም። መናእሰይ ዘፈልፍልዎም ፀገም ፈታሕቲ ሓሳባት ፈጠራ ብዘላቕነት ኣብ ረብሓ ንምውዓል ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም። ብፍላይ ድማ ዝምዕብሉ ስራሕቲ ፈጠራ ካብ ሃገር ሓሊፎም ዓለም ለኸ ተደላይነት ንክህልዎም ምስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም። መንግስቲ በቢእዋኑ ፅሬቶም፣ድሕንነቶምን ፀገም ፈታሕቲ ምዃኖምን ዝተረጋገፁን ዝተመረፁን ስራሕቲ ፈጠራ ተግባራዊ ንምግባር እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣረዲኦም። ከም ኣብነት እውን እቲ ውድድር ሓሳብ ፈጠራ ሓደ መርኣያ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ድማ “ምፍጣርን ምቕልጣፍን” ዝብል ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ሽቶኡ ንምብፃሕ ርኡይ ኣስተዋጸኦ እናበርከተ ከምዝርከብ ገሊፆም። ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ሓላፊ ቢሮ ስራሕን ክእለትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጥራቱ በየነ ብግደኦም፤ ስራሕቲ ፈጠራ መናእሰይ ኩነታት መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽ ርኡይ ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ኣብ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ስራሕ ባህሊ ምግባር ጉዳይ ህልዉና ክኸውን ኣለዎ-ሚኒስትር ሙፈሪሃት ካሚል
Jun 19, 2025 12
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 12/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ስራሕ ባህሊ ብምግባር መፍረያይነት ምዕባይ ጉዳይ ህልዉና ክኸውን ኣለዎ ክብላ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን። “ባህልን መፍረያነትን ስራሕ ንልኣላውነት ሃገር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መዳርግቲ ኣካላት ዘሳተፈ ዘተ ፓነል ኣብ ማእኸል ዓለም ለኸ ኮንቬንሽን ኣዲስ ይካየድ ኣሎ። እቲ ዘተ ፓነል፤ ብምትሕብባር ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎትን ዝተዳለወ እንትኸውን፤ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል፣ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ተሻለ በሬቻ (ዶ/ር)፣ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ኣይተ ሰለሞን ሶካ፣ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ሰይፈ ደርቤ፣ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልላትን ከምኡ እውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም። ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ብኢኮኖሚ ዓርስኻ ንምኽኣል ዝግበር ፃዕሪ ንክዕወት ጠንካራ ባህሊ ስራሕ ምጥንኻር ይግባእ። ኣብ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ስራሕ ባህሊ ምግባር ጉዳይ ህልዉና ክኸውን ይግባእ እውን ኢለን። ስለዝኾነ እውን በቢከባቢኡ ዘሎ ፀጋ ተጠቒሙ ሰሪሑ ንምዕባይ ካብ ቤተሰብ ጀሚሩ ዘሎ ባህሊ ስራሕ ንክልወጥ ምስርሕ ከምዝግባእ ሓቢረን። ባህሊ ስራሕ ንምህናፅ ዝተትሓዘ ሽቶ ዝዕወት ንቃተ ህሊና ማሕበረሰብ እንትዓቢ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ እቲ ሚኒስቴር መድረኽ ምኽክር የሳልጥ ኣሎ ኢለን። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ብግደኦም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ባህሊ ስራሕ ንክህነፅ መድረኽ ልውውጥ ልምድን መጨበጢ ግንዛበን ቀጻልነት ብዘለዎ መልክዑ ምክያድ ወሳኒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ሃገራዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ባህሊ ስራሕ ምህናፅን ግንዛበ መዳርግቲ ኣካላት ምስፋሕን ኣድላይ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ናይ ሎሚ መድረኽ እውን እዚ ሽቶ ንክዕወት ዓብይ እጃም ኣለዎ ኢሎም። ኢዜኣ እውን ካብ ዜናን ዜና ተንከፍን ሓበሬታታት ምብፃሕ ብተወሳኺ ኣብ ጉዳያት ሃገራዊ ምርድዳኣት እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ናይ ኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት ባዓል ሞያ ካሜራ ብዙአየሁ ብርሃኑ ስነ ስርዓት ቀብሩ ሎሚ ተፈፂሙ
Jun 17, 2025 35
አዲስ አበባ/ሰነ/ 10/2017 (ኢዜአ)፦ ናይ ኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት ባዓል ሞያ ካሜራ ብዙአየሁ ብርሃኑ ስነ ስርዓት ቀብሩ ሎሚ ኣብ ጉራራ ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን ተፈፂሙ ። አይተ ብዙአየሁ ብርሀኑ መኮንን ኣብ ስራሕ እናሃለወ ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ሓደጋ ብሕክምና ክሕገዝ ድሕሪ ምፅንሑ ትማሊ ንሕልፈት በቒዑ። ናይ ኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት ብሕልፈት ህይወት ብዙአየሁ ብርሀኑ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለፀ ፥ ንስድርኡ ፣ፈተውቱን ማሓዙትን ኩሎም ፅንዓት ይሃብኩም ኢሉ ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ ሎሚ ኣብ ጉራራ ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያን ቀትሪ ሳዓት 8 ሰበ ስልጣን መንግስቲ ስድርኡ ፣ፈተውቱን ማሓዙትን ኩሎም ኣብዝተረኸብሉ ስርዓተ ቀብሩ ተፈፂሙ ።
ቁጠባ
ኣብ 11 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ካብ ንግዲ ወጻኢ ልዕሊ 7 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ
Jun 19, 2025 14
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /12/2017 (ኢዜኣ) ኣብ 11 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ካብ ንግዲ ወጻኢ 7 ነጥቢ 21 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ። መበል 38 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚ 11 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ዘትዩ። ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ በጀት ዓመት ኣብ ታሪኽ ንግዲ ወጻኢ እታ ሃገር ዝለዓለ ኣታዊ ተረኺቡ። ካብ ጠቕላላ ንግዲ ወጻኢ 4 ነጥቢ 59 ቢልዮን ዶላር ንምርካብ ተተሊሙ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ብምዝኽኻር፤ ኣብ ኣፈፃፅማ ልዕሊ እቲ ትልሚ 7 ነጥቢ 21 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሓቢሮም። ኣብ መወዳእታ እቲ በጀት ዓመት ልዕሊ 8 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝርከብ ትፅቢት ይግበር እውን ኢሎም። ኣብ 11 ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ካብ ንግዲ ወጻኢ ዝተረኸበ ምስ በጀት ዓመት 2016 እንትነፃፀር ልዕሊ 3 ነጥቢ 96 ቢልዮን ዶላር ወሰኽ ከምዘርኣየ ተዛሪቦም። ኣብ ማክሮ ኢኮኖሚ ውፅኢታዊ ካብ ዝኾኑ ኢኮኖሚያዊ ውፅኢታት ዓውዲ ንግዲ ወጻኢ ልዑል ኣፈፃፅማ እናተመዝገበሉ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም። ኣብ ንግዲ ወጻኢ ምችው ምህዳር ምፍጣሩ፣ዝተፈላለዩ ማሕለኻታት ሕግን ኣሰራርሓን ምፍትሖም፣ምስ ለኣኽትን መዳርግቲ ኣካላትን ብዝሓሸ ምውዳድ ስለዝተሰርሐ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ልዑል ኣታዊ ምርካብ ከምዝተኽኣለ ገሊጾም።
ቀፃሊ ክረምቲ ስሩዕን ልዕሊ ስሩዕን መጠን ዝናብ ትፅቢት ይግበር-ኢንስቲትዩት ሜትሮሎጂ ኢትዮጵያ
Jun 18, 2025 29
ኣዲስ ኣበባ /11/2017/ኢዜኣ/ቀፃሊ ክረምቲ ስሩዕን ልዕሊ ስሩዕን መጠን ዝናብ ትፅቢት ይግበር ክብል ኢንስቲትዩት ሜትሮሎጂ ኢትዮጵያ ገሊፁ። ኣብዚ ቀፃሊ ክረምቲ ስሩዕን ልዕሊ ስሩዕን መጠን ዝናብ ትፅቢት ይግበር ክብሉ ምክትል ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሜትሮሎጂ ኢትዮጵያ ኣሳምነው ተሾመ (ዶ/ር) ሓቢሮም። ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ሓምለን ነሓሰን ትፅቢት ዝግበር ስሩዕን ልዕሊ ስሩዕን መጠን ዝናብ ንስራሕ ልምዓት ግብርና እቲ ሓረስታይ ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም። እቲ ትካል ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ብምዃን ውሕጅ ከጥቀዖም ዝኽእሉ ቦታታት ብምፍላይ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ እቲ ሓረስታይ ካብ ሕዚ ጀሚሩ ጥንቃቐ ንክገብር ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣብ ዘበነ ፍርያት 2017/18 ዓ/ም 21 ሚልዮን ኩንታል መዳበሪያ ሓመድ ናብ ኢትዮጵያ ተጎዓዒዙ ብመሰረታዊ ማሕበራት ኣቢሉ ንሓረስታይ ንኸከፋፈል እናተገበረ እዩ ። ትልሚ መፍረያይነት ዝራእቲ ዘበነ ፍርያት 2016/17 መበገሲ ብምግባር ዝሓሸ ልምዓት ግብርና ንምስላጥ ዘኽእል ምድላው እናተገበረ ከምዝርከብ ተፈሊጡ ኣሎ። ተበግሶ ልምዓት ግብርና ሓረስቶት ብምዕባይ 20 ነጥቢ 43 ሚልዮን ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ብምሽፋን ልዕሊ 650 ሚልዮን ኩንታል ፍርያት ንምእካብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ብሃገር ደረጃ ትልሚ ምህላዉ ኣመልኪቶም ።
21 ሚልዮን ኩንታል መዳበሪያ ሓመድ ናብ ውሽጢ ሃገር ይጎዓዓዝ ኣሎ-ሚኒስቴር ግብርና
Jun 18, 2025 24
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 11/2017 (ኢዜኣ) ንዘበነ ፍርያት 2017/18 ዓ/ም ዝውዕል መዳበሪያ ሓመድ ናብ ውሽጢ ሃገር እናተጎዓዓዘ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ። ኣብዚ ዘበነ ፍርያት 20 ነጥቢ 43 ሚልዮን ሄከታር መሬት ብዘርኢ ብምሽፋን ልዕሊ 659 ሚልዮን ኩንታል ፍርያት ንምእካብ ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐ እዩ ዝርከብ። ኣብ ሚኒስቴር ግብርና መራሒ ፈጻሚ ስራሕ ልምዓት ዝራእቲ ኢሳያስ ለማ ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ሉኣላዊነት ምግቢ ምርግጋፅ ዘኽእል ስራሕ እናተሳለጠ እዩ። ስለዝኾነ እውን ኣብ መስኖ ሓጋይ፣ክረምቲ፣ቀውዕን ካልኦት ኣማራጽታት ልምዓት ዝራእትን ብምስፍሕፋሕ ኣብ መፍረያይነት ግብርና ጭቡጥ ውፅኢት እናተመዝገበ ከምዝርከብ ገሊጾም። ሉኣላዊነት ምግቢ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ምድላው መሬት፣ቀረብ መዳበሪያ ሓመድን ሙሩፅ ዘርእን ኣወንታዊ እጃም እናበርከቱ ከምዝኾኑ እውን ተዛሪቦም። ብፍላይ ድማ ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ምድላው ሕርሻ ቅድሚ ምግባሩ ዕድጊት መዳበሪያ ከምዝፍፀመን እቲ ሓረስታይ ኣብ እዋኑ እታዎት ዝረኽበሉ ዕድል ከምዝፈጠረን ሓቢሮም። ኣብ ዘበነ ፍርያት 2017/18 ዓ/ም 21 ሚልዮን ኩንታል መዳበሪያ ሓመድ ናብ ኢትዮጵያ ተጎዓዒዙ ብመሰረታዊ ማሕበራት ኣቢሉ ንሓረስታይ ንኸከፋፈል እናተገበረ እዩ ኢሎም። ትልሚ መፍረያይነት ዝራእቲ ዘበነ ፍርያት 2016/17 መበገሲ ብምግባር ዝሓሸ ልምዓት ግብርና ንምስላጥ ዘኽእል ምድላው እናተገበረ ከምዝርከብ ኣረዲኦም። ተበግሶ ልምዓት ግብርና ሓረስቶት ብምዕባይ 20 ነጥቢ 43 ሚልዮን ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ብምሽፋን ልዕሊ 650 ሚልዮን ኩንታል ፍርያት ንምእካብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተዛሪቦም።
ሳይንስን ቴክኖሎጅን
እቲ ቀዋሚ ኤግዚቪሽን ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ እንሰርሐሉ ዓብይ ሃፍቲ ዝሓዘ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jun 14, 2025 52
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 7/2017 (ኢዜኣ) ቀዋሚ ኤግዚቪሽን ሙዜም ሳይንስ ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ እንሰርሐሉን እንሃንፀሉን ዓብይ ሃፍቲ ዝሓዘ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊጾም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ክፍሊ ቀዋሚ ኤግዚቪሽን ሙዜም ሳይንስ ብዕሊ ተኸፊቱ። እቲ ኤግዚቪሽን፤ ኣብ ኣርቴፊሻል ኢንተሊጀንስ፣ለውጢ ከባያዊ ኣየርን ምላሽ ኢትዮጵያን፣ግብርና፣ሓይሊ ማይን ኢነርጅን፣ኤሮኖቲክስን ኣቪየሽንን ጠመተ ዝገበሩ 5 ምድባት ዓውደ ርእይ ዝሓዘ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፤ ህንፃ ሙዚየም ሳይንስ ቅድሚ ከባቢ ክልተ ዓመት ተሃኒፁ ብግዝያዊ ኤግዚቪሽን ምምራቑ ኣዘኻኺሮም። እቲ ቀዋሚ ኤግዚቪሽን ልዑል ሃፍቲ ከምዝሓተተ ብምሕባር፤ ብጣዕሚ ጠቓሚ ነገር ዝሓዘ ከምዝኾነን እንሰርሀሉ ሙዚየም ኣብዚ እዩ ዘሎ ክብሉን ገሊፆም። ኢትዮጵያውያን ፅባሕ ምስራሕን ምልዋጥን እንተደልዮም ደቆም ናብዚ ኤግዚቪሽን ከምፅእዎም ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም። ቆልዑ ኣብቲ ሙዚየም ዘለዉ ነገራት ብተግባር ብምርኣይ ናይ ፅባሕ መንነቶም ምስራሕን ናይ ፅባሕ ድሌቶም ጋህዲ ምግባርን ይኽእሉ እዮም ኢሎም። እቲ ኤግዚቢሽን ንቆልዑ ዓብይ በረከት ሒዙ ከምዝመፀ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ መንኣሰይ ቴክኖሎጂ ብኣግባቡ ንክጥቀሙን ኢሉ እውን ፈጣርቲ ንክኾኑን በሪ ዝኸፍት ከምዝኾነ ኣረዲኦም። እዚ እናርኣየ ዝዓበየ ውላድ ጥበብን ፍልጠትን ብምምዕባል ፅባሕ ሃገሩ ዝሕልው፣ሃገሩ ዘማዕብል፣ሃገሩ ዘልምዕን ዘፅንዕን እዩ ዝኸውን ክብሉ እውን ሓቢሮም። ብተወሳኺ እውን መማህራን፣ተመራመርትን ፅባሕ ምስራሕ ዝደልዩ ሰባትን ኩሎም እዚ ኤግዚቪሽን ንክጉብንዩ ፃውዒት ገይሮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ንህንፀት እቲ ቀዋሚ ኤግዚቪሽን ደገፍ ንዝገበሩ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ኣመስጊኖም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ክፍሊ ቀዋሚ ኤግዚቢሽን ሙዜም ሳይንስ ብዕሊ ተኸፊቱ
Jun 14, 2025 55
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 7/2017(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ክፍሊ ቀዋሚ ኤግዚቢሽን ሙዜም ሳይንስ ብዕሊ ተኸፊቱ። እቲ ክፍሊ፤ ኣብ ኣርቴፊሻል ኢንተሊጀንስ፣ለውጢ ከባያዊ ኣየርን ምላሽ ኢትዮጵያን፣ግብርና፣ሓይሊ ማይን ኢነርጅን፣ኤሮኖቲክስን ኣቪየሽንን ጠመተ ዝገበሩ 5 ምድባት ዓውደ ርእይ ዝሓዘ እዩ። እዚ ድማ ሃገርና ሳይንስን ቴክኖሎጅን ንምጥቃም ዘለዋ ድሌት ዘርኢ እዩ ክብል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ እውን ኣብ ሃገርና ፈላማይ ዝኾነ ሉላዊ ኣዳራሽ ምርኢት ቅርፂ ህዋ ዕላዊ ኮይኑ ክብል ገሊፁ። ኣብ ልዕሊ 1000 ሜትሮ ስኬር ሜትሮን 36 ሜትር ዲያሜትርን ሒዙ ዝዓረፈ እቲ ኣዳራሽ ነዚ ዘበን ብዝምጥን ቴክኖሎጂ መርኣዪ ዲጂታል ምስሊ 4k ዝተገጠመሉ ከምዝኾነ ገሊፁ። ፍልጠት ንምድህሳስ፣ንምምሃርን ንምንቕቓሕን ምችው ዝኾነ ሙዜም ሳይንስ ንጎብነይቲ ክፍቲ ከምዝኾነ እውን እቲ ቤት ፅሕፈት ሓቢሩ። ህዝቢ እውን መፃኢ ተስፋ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኢትዮጵያ መፂኡ ንክዕዘብ እቲ ቤት ፅሕፈት ዓዲሙ።
ኣተኣኻኻቢ ትረኻ ንምስራፅ ብዝተሰርሐ ስራሕ ውፅኢት ተመዝጊቡ እዩ
May 30, 2025 223
ወላይታ ሶዶ/ግንቦት /22/2017 (ኢዜኣ) ብመራኸብቲ ሓፋሽ ኣተኣኻኻቢ ትረኻ ንምስራፅ ብዝተሰርሐ ስራሕ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ ተዛሪቦም። እቶም ሚኒስትር ዲኤታ “ዘበነ ድሕረ ሓቂ ብሓቅን ፍልጠትን” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ንኣመራርሓን ሰብ ሞያን ሚድያ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ስልጠና ኣብ ዝሃብሉ እዋን ከምዝበልዎ፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ሓቂ ሒዞም ዘለዎም ፅልዋ ንምርግጋፅ ክሰርሑ ኣለዎም። እዚ ዘበን ሓቂ ዝተፈተነሉን ስምዒት ኮርኮርቲ ዛዕባታት ጎሊሆም ዝረኣይሉን ስለዝኾነ ስኑዕ ሓበሬታታት ንምክልኻል ተወሳኺ ዓቕሚ ምፍጣር ኣድላይ እዩ ኢሎም። ጠንካራ ኢኮኖሚ ዝሃነፀትን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነታ ዝተሓለወትን ሃገር ንምህናፅ ገዛኢ ተረኽ ምስራፅ ዘኽእል ስራሕ ሚድያ ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም። ስለዝኾነ ድማ ዓውዲ ሚድያ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሄራዊ ተረኽ ኣብ ምስራፅ ዝነኣድ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ሓቢሮም። ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ሚድያ ሓቃውነት ኢትዮጵያን ኣብ ውሽጢ ብዝሃነት ዘሎ ሕብርን ፅባቐን ኣጉሊሆም ንከውፅኡ ዘኽእል ዓቕሚ ንምጥንኻር ዝግበር ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም።
ስፖርት
ስፖርት ናይ ፅባሕ ዜጋታት ኢትዮጵያ እንፈጥረሉ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Jun 17, 2025 36
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 10/2017 (ኢዜኣ) ስፖርት ናይ ፅባሕ ዜጋታት ኢትዮጵያ እንፈጥረሉን ዝነቕሐን ዝበቕዐን ወለዶ እነፍረየሉን ዓውድና እዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊጾም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማህበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ “ስፖርት ንሓርበኝነት ሕብረ ኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ከተማ ጅማ ዝተዳለወ መበል 6ይ ፀወታ ስፖርት መላእ ኢትዮጵያ ኣጀሚርና ኢሎም። ነቲ መሪሕ ቃል ብትኽክል ኣብ ትገልፆን ንዘበናት መናሃርያ ሕብረ ብሄራዊነት ኣብ ዝኾነትን ከተማ ጅማ ዝተጀመረ ፀወታ ስፖርት፤ “መናእሰይ ስፖርተኛታትና ኣድላይ ክእለት ሂወት፣ሓቛፋይነት፣ፍትሓዊነት፣ስራሕን ሓላፍነትን ጉጅለ ንከማዕብሉ ዕድል ዝፈጥር እዩ” ክብሉ እውን ሓቢሮም። ሃገር ለኸ ፀወታታት ስፖርት ህዝብታት ናይ ምትእስሳር ዓቕሚ ዘለዎም፣መናእሰይ ተረከብቲ ሃገር ሃገሮምን ባህሎምን ዝፈልጥሉ ዕድል ዝፈጥር መድረኽ ከምዝኾነ ገሊፆም። ስፖርት ዜጋታት ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ እንፈጥረሉን ዝነቕሐን ዝበቕዐን ወለዶ እነፍረየሉን ዓውድና እዩ ክብሉ እውን ፀሪሖም። ስለዝኾነ እውን በቢከባቢኡ ማእኸላት ስፖርት ብዝተሓተ፣ማእኸላይን ልዑልን ብርኪ እናሃነፅና ኢና ንርከብ ኢሎም። እዚ ሎሚ ዘጀመርናዮን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ን9 ዓመታት ተቛሪፁ ዝነበረን ፀወታታት መላእ ኢትዮጵያ ሓደ መርኣያ እዩ ክብሉ ኣፍሊጦም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ “ኣብዚ ስፖርታዊ ፀወታ ንዝተሳተፍኩም ክልላትን ምምሕዳር ከተማን፣ኣዳላዊ እቲ ውድድር ንዝኾነ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን፣ክልል ኦሮሚያን ከተማ ጅማን ዘለኒ ምስጋና በዚ ኣጋጣሚ ክገልፅ ይፎቱ” ኢሎም።
ሻምፕዮና ዘይፈለየ ውድድር ሴሪ ኤ ጣልያን …
May 23, 2025 374
ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/15/ 2017 /ኢዜኣ/ኣብ መበል 38 ሰሙን ሴሪ ኤ ጣልያን ሎሚ ምሸት ዝካየዱ ፀወታታት ትፅቢት ይግበረሎም። ብ79 ነጥቢ ነቲ ሴሪ ኤ እናመርሐት ትርከብ ናፖሊ ምሸት ሰዓት 3፡45 ኣብ ሜድኣ ንካግሊያሪ ከተተኣንግድ ኢያ። ብኣሰልጣኒ ኣንቶኒዮ ኮንቴ ትምራሕ ናፖሊ ኣብ ናይ ሎሚ ፀወታ እንተተዓዊታ ኣብቲ ንሕንሕ ናይ እትርከብ ኢንተር ሚላን ውፅኢት ከይተፀበየት ሻምፒዮን ምዃና ከተረጋግፅ እያ። ካብ ናፖሊ ብሓደ ነጥቢ ትሕት ኢላ እትርከብ ኢንተር ሚላን ካብ ሜዳኣ ወፃእ ምስ ኮሞ ብተመሳሳሊ ምሸት ሰዓት 3፡45 ክትገጥም ኢያ። ብኣሰልጣኒ ሲሞን ኢንዛጊ እትምራሕ ኢንተር ሚላን ብ78 ነጥቢ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ። ኢንተር ፅዋዕ እቲ ሊግ ንምዕታር ናይ ባዕላ ፀወታ ካብ ምስዓር ብተወሳኺ ናይ ናፖሊ ነጥቢ ምድርባይ ክትፅበ ትግደድ ኢያ። ናፖሊ ኣብ ውድድር ዘበን 2022/23 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ብኣሰልጣኒ ሉቻኖ ስፓሌቲ እናተመርሐ ድሕሪ 30 ዓመታት ንክብሪ እቲ ስኩዴቶ ምርካባ ይዝከር።
ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ፍፃመ ዩሮፓ ሊግ ማንችስተር ዩናይትድ ምስ ቶተንሃም ሆትስፐር
May 21, 2025 308
ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/13/ 2017 /ኢዜኣ/ፀወታ ፍፃመ ዩሮፓ ሊግ ሎሚ ምሸት ሰዓት 4 እንትካየድ ማንችስተር ዩናይትድ ምስ ቶተንሃም ሆትስፐር ፅዋዕ ንምዕታር ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ። ኣብ ሃገረ ስፔን ኣብ ሜዳ ትሌቲክ ቢልባኦ ስታዲየም ሳንማሜስ ዝግበር እዚ ፀወታ ፍፃመ ንክልቲአን ጋንታታት ኣዚዩ ወሳኒ ኢዩ። ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ድኹም ዓመተ ውድድር ዘሕለፋ ክልቲአን ጋንታታት፤ እቲ ፅዋዕ ንምዕታር ብሓደ ወገን ኣብ ዝቕፅል ዓመት ተሳትፎ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ንምዕዋት ብካሊእ ወገን ድማ ኣብቲ ውድድር ዓመት ቅር ዝበሎ ደጋፊ ንምኽሓስ ዘለወን ብሕታዊ ተስፋ ኢዩ። ማንችስተር ዩናይትድ ምንም ፀወታ እንተይተሰዓረት ንፍፃመ ዝበፅሐት እንትትከውን÷ ሎሚ ምሸት ኣብ ትፃወተሉ ስታዲየም ሳንማሜስ እውን ንኣትሌ ቢልባኦን 3 ን 0 ምስዓራ ይዝከር። ቶተንሃም ኣብቲ ሊግ ድኹም ዓመተ ውድድር ዘሕለፈ ይኹን እምበር፤ ኣብ ዩሮፓ ሊግ ስዒራተን ዝመፅአት ጋንታታት እንትረአ ግን እታ ጋንታ ኣብ ዩሮፓ ሊግ ዝነበራ ጥንኩር ጉዕዞ ዘርኢ ኢዩ።
ማንቼስተር ሲቲ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ንምርካብ ትገብሮ ንሕንሕ
May 20, 2025 303
ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/12/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ መበል 37 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ሲቲ ኣብ ሜዳኣ ምሸት ሰዓት 4 ንቦርንማውዝ ክተተኣናግድ ኢያ። ብኣሰልጣኒ ፔፕ ጓርዲዮላ ትምራሕ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ብ65 ነጥቢ አብ 6ይ ደረጃ ዝተቐመጠት እንትት ከውን፤ ናይ ሎሚ ምሸት ፀወታ እንተስዒራ ነጥባ ናብ 68 ክብ ብምባል ናብ 3ይ ደረጃ ክትዓቢ ትኽእል ኢያ። ብ53 ነጥቢ ኣብ መበል 11 ደረጃ ትርከብ ቦርንማውዝ ብግደኣ ዓወት እንተቐኒዑዋ ናብ 8ይ ደረጃ ክትመፅእ ትኽእል ኢያ። ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኣብ ፀወታ ፍፃመ ፅዋዕ ኤፍ ኤ ካፕ ብክሪስታል ፓላስ ዝሰዓረት ሲቲ፤ ናብ ዓወት ንምምላስን ኣብ መድረኽ ኣውሮፓ ተሳታፊት ዝገብራ ነጥቢ ንምርካብን ብርቱዕ ንሕንሕ ክትገብር ኢያ ዝብል ትፂቢት ኣሎ። በካሊእ ፀወታ ብተመሳሳሊ ሰዓት ክሪስታል ፓላስ ንዎልቭስ ክተተኣናግድ ኢያ። ክሪስታል ፓላስ ብ49 ነጥቢ ኣብ መበል 12 ደረጃ እንትትርከብ ዎልቭስ ብግደኣ ብ41 ነጥቢ መበል 14 ደረጃ ሒዛ ትርከብ። ፓላስ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ንማንቼስተር ሲቲ ብምስዓር ድሕሪ ክፍለ ዘበን ፅዋዕ ኤፍ ኤ ካፕ ምርካባ ይዠከር፡፡
ሓለዋ ኸበቢ
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ደለል ምሕላው ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ እዩ-እቲ ቤት ፅሕፈት
May 30, 2025 179
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት /22/2017 (ኢዜኣ) ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ደለል ንምሕላው ኣብ ዝሳለጡ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ሲቪክ ማሕበራት ዝገብርዎ ደገፍ ከጠናኽሩ ከምዝግባእ ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት መተሓባበሪ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ገሊፁ። እቲ ቤት ፅሕፈት፤ “ሓደ ትልሚ ሓደ ፀብፃብ ንዝተወደበ ልምዓት ተፋሰስ ኣባይ እጃም ሲቪክ ማሕበራት” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ምኽክር የካይድ ኣሎ። ዋና ዳይሬክተር እቲ ቤት ፅሕፈት ኣረጋዊ በርሄ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያውያን ካብ ድኽነት ንምልቓቕ ዘለዎም ቆራፅነት ብተግባር ዘርኣይሉ ዓብይ ሃገራዊ ሃፍቲ እዩ። ስለዝኾነ እውን እቲ ማሕበረሰብ ከምኡ እውን መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ኩለመዳያዊ ደገፍ ብምግባር እቲ ግድብ ናብ መዛዘሚ ምዕራፍ ከምዘሸጋገርዎ ሓቢሮም። ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንኩለመዳያዊ ዕቤት ልምዓት ኢትዮጰያ ዝህልዎ ቀፃልነት ንምርግጋፅ ካብ ሕዚ ጀሚሩ ዝተዋደደ ስራሕ ልምዓት ተፋሰስ ምጥንኻር ይግባእ ኢሎም። ነዚ ድማ እቲ ግድብ ብደለል ንከይመልእ ከም ሃገር ኣብ ዝስርሑ ስራሕቲ ዝተዋደደ ልምዓት ተፋሰስ ምስታፍ ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። እቲ ስራሕ ዕቀባ ሓመድን ማይን ውጽኢታዊ ንክኸውን ትካላት ሲቪክ ማሕበራት ኣብቲ ዓውዲ ዘለዎም ኣስተዋጸኦ ብዝተወደበን ብዝተዋደደን መልክዑ ንከጠናኽሩ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣፍሪካ ንዓለም ለኸ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር መፍትሕታት ብምቕራብ እጃም መሪሕነታ ክትዋፃእ ይግባእ
May 29, 2025 204
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/ 21/2017 (ኢዜኣ) ኣፍሪካ ንዓለም ለኸ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር መፍትሕታት ብምቕራብ እጃም መሪሕነታ ክትዋፃእ ከምዝግባእ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ስዩም መኮንን ገሊፆም። ብኣዳላውነት ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ከምኡ እውን ብምትሕብባር ኤምባሲታት ኖርወይን እንግሊዝን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተዳለወ ፎረም ቴክኒካል ጉጅለ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ኢኮኖሚ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ ዘተ፤ ኣካላት መንግስቲ፣መሓዙት ልምዓትን ዝምልከቶም ኣካላትን እናተሳተፉ እንትኸውን ኣብ ጳጉሜን 2017 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሳለጥ ካልኣይ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣፍሪካ ኣመልኪቶም ይዝትዩ ኣለዉ። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ስዩም መኮንን ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ቀፃሊ ስግኣት ዘይኮነስ ኣብዚ ሕዚ እዋን ፀገማት ዘስዕብ ዘሎ ዓለም ለኸ ፍፃመ እዩ። ኢትዮጵያ ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ካልኣይ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንክተዳሉው ከምዝተመረፀት ብምዝኽኻር፤ እቲ ጉባኤ ፈተና ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ኣፍሪካውያንን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ዝዝትይሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ኣፍሪካ ንዓለም ለኸ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር መፍትሕታት ብምቕራብ እጃም መሪሕነታ ክትዋፃእ ከምዝግባእ እውን ኣረዲኦም። እቲ ጉባኤ፤ ኣብ ኢትዮጵያን መላእ ኣፍሪካን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ዘኽእሉ ስራሕቲ ንምርኣይ ዘኽእል እዩ ኢሎም።
ዓለም ለኸዊ ዜናታት
ጉባኤ ትካል ስራሕ ዓለም ኣፍሪካ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ዘለዎ ልዑል ቁሩብነት ዝተርኣየሉ ኢዩ - ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ
May 24, 2025 325
ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/16/ 2017 /ኢዜኣ/መበል 20 ጉባኤ ትካል ስራሕ ዓለም ኣፍሪካ ዜጋታታ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ዘለዋ ልዑል ቁሩብነት ዘርአየትሉ ከምዝኾነ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወይዘሮ ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን፡፡ መበል 20 ጉባኤ ትካል ስራሕ ዓለም ኣብ ስራሕ ዝተመስረተ ኣህጉራዊ ኣኼባ ሰብ ሞያ እንትዛዘም ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ ከምዝገለፀኦ፤ እቲ ጉባኤ ኣብቲ ዓውዲ ንማሕለኻታትን ሰናይ ዕድላትን ብምዝታይ ኣንፈት ኣቐሚጡ። መርሃ ግብሪታት ምውፋር ስራሕ ምስ ሃገራዊ ልምዓት ብምውዳድ ተግባራዊ ምግባር ከምዝግባእ ሓበራዊ ቅዋም ዝተትሓዘሉ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን። እቲ ጉባኤ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ማሕበራዊ ሓለዋን ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ናይ ምፅዋር ዓቕሚ ምስ ዝዝርጋሕ መሰረተ ልምዓት ብምወሃድ ኣብ ዘኽእሉ ሜላታት ብምጥማት ትኹረት ምግባሩ ኣረዲአን። ቀፃሊ ዕድል እታ ኣህጉር ዝውስኑ ኩለመዳይ ዕድላት ኢኮኖሚ ኣብ ዘባብዑ ፖሊሲታት ዓሚቕ ዘተ ከምዝተገበረ እውን ተዛሪበን። ካብዚ ብተወሳኺ ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ሞንጎ መንግስታት፣ ኤጀንሲታት ልምዓት፣ ሲቪል ማሕበራትን ዘፈር ውልቀን ጥንኩር ምትሕብባር ከምዘድሊ ከምዝተሓበረ ኣመልኪተን። ዳይሬክተር ትካል ስራሕ ዓለም ኣብ ኣፍሪካ ፋንፋን ሩዋንዪንዶ ካዪራንጉዋ ብግደኦም ኢትዮጵያ ዕዉት ጉባኤ ከምዘካየደት ብምሕባር፤ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ምስጋና ኣቕሪቦም። እቲ ጉባኤ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝተገበሩ ዝሐሸ ተሳተፍቲ ዝተረኸቡሉ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ 30 ሚኒስትራት፣ ክልተ ሺሕ ተሳተፍቲን 50 ሃገራትን ዝተረኸቡሉ ኢዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ክንክን ስደተኛታት ክብ ንምባል ዝዓለመ ሓቛፊ ስትራቴጂ ኣብ ቀረባ ክትጅምር ኢያ
May 23, 2025 274
ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/15/ 2017 /ኢዜኣ/ኢትዮጵያ ክንክን ስደተኛታት ክብ ንምባል ዝዓለመ ሓቛፊ ስትራቴጂ ኣብ ቀረባ ክትጅምር ኢያ። ኢጋድ ብምኽኒያት ሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ንዘጋጥሙ ምምዝባላትን ስደትን ዝጠመተ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ። ምክትል ዋና ፀሓፊ ኢጋድ መሓመድ ኣብዲ ዋሬ፥ ብምኽኒያት ሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ንዝመዛበሉ ዜጋታት ተረባሕቲ ዝገብሩ ምስ ኩለ መዳይ ምንቅስቓስ ልምዓት ምዝማድ የድሊ ምስ በሉ ምውዳድ መዳርግቲ ኣካላት ከምዘድሊ እውን ተዛሪቦም ክብል ኢዜኣ ፀብፂቡ።
ኣፍሪካ ኣብ ውሽጢ ስርዓት ንግዲ ዓለም ድሌታታ ንክሕለዉ ንምግባር እናተሰርሐ እዩ
May 17, 2025 425
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት /9/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ውሽጢ ዓለም ለኸ ስርዓት ንግዲ ድሌታት ኣፍሪካ ዘረጋግፁ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝርከብ ኣወዳድባ ኣማኻሪ ዓለም ለኸ ሕጊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ (AUCIL) ኣፍሊጡ። ማዕቐፋት ሕጊ ካልኣይ ምዕራፍ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ከምዝፀደቑ ተገሊፁ። ሕብረት ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2009 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ካብ ዘሕለፎም ውሳነታት ነቲ ኮሚሽን ዘይሻራዊ ኣማኻሪ ኣካል ምጥያሽ እቲ ሓደ እዩ። ብመሰረት መጣየሺ ደንቢ ሕብረት ኣፍሪካ ኣወዳድባ ኣማኻሪ ዓለም ለኸ ሕጊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ (AUCIL) ተጣይሹ። ምጥያሽ እቲ መማኸሪ ኣካል ሕብረት ኣፍሪካ እታ ኣህጉር ንምትእስሳር ዘለዎ ቆራፅነት ዘርእን ዓለም ለኸ ሕጊ ዘለዎ ራኢ ንምዕዋት ዘለዎ ወሳኒ እጃም ኣብ ግምት ዘእተወን ከምዝኾነ ተገሊፁ። ኣወዳድባ ኣማኻሪ ዓለም ለኸ ሕጊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ (AUCIL) ካብ 14 ክሳብ 15 ግንቦት 2017 ዓ/ም መበል 11 ፎረሙ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘካይድ እንትኸውን፤ እቲ ፎረም “ዓለም ለኸ ሕጊ፣ሪፎርም ትካል ንግዲ ዓለምን ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካን” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ክካየድ። ኣብቲ ፎረም፤ ተመራመርቲ ሕጊ ዓለም ለኸ ንግዲ፣ተደራደርቲ ብሄራዊ ፖሊሲ ንግዲ፣ተወከልቲ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ፣ተወከልቲ ፖሊሲ ንግዲ ዞባዊ ማሕበረሰባት ኢኮኖሚ፣ሰብ ሞያ ንግድን ሕግን ሕብረት ኣፍሪካ ከምኡ እውን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ከምዝርከቡ ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት። ኣወዳድባ ኣማኻሪ ዓለም ለኸ ሕጊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ (AUCIL)፤ ኣብ ዓለም ለኸ ስርዓት ንግዲ ድሌታት ኣፍሪካ ዘረጋግፁ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝኾነ ገሊፁ። ዓለም ለኸ ሕግታት ንግዲ ኣፍሪካ ካብ ስርዓት ንግዲ ዓለም ዘየግልሉን ዘለዋ ተሳትፎ ዘይግድቡን ንክኾኑ ብቆራፅነት እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ሓቢሩ።
ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነቶም ንምጥንኻር ድሉዋት እዮም
May 17, 2025 348
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/ 9/2017 (ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካን ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ውሕመ)ን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነቶም ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቆራፃት ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም። መበል 34 ስሩዕ ጉባኤ ሊግ ዓረብ ኣብ ኢራቅ ከተማ ባግዳድ ይካየድ ኣሎ። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ኣሊ ዩሱፍ ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ምስ ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ዘትዮም። ኣብቲ ዘተ ክልቲኦም ትካላት ስትራቴጂካዊ ምሕዝነቶም ንምጥንኻር ዘለዎም ቆራጽነት ኣረጋጊፆም። ኣብ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም፣ጉዳያት ፖለቲካን ምክልኻል ጎንፅን ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ምግላፆም እውን ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ ይሕብር። ብብርኪ ሚኒስትራት ዝተጀመረ እቲ ስሩዕ ጉባኤ ፅባሕ ብብርኪ መራሕቲ ክካየድ እዩ።
ሓተታ
ድልየት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሰላምን ጥራይ እዩ
Mar 18, 2025 1540
ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ንክልተ ዓመት ዝነበረ ኹናት ጠጠው ኣቢሉ ድምፂ ጥይት ዘይስመዓሉ ኹነታት ፈጢሩ። ንዚ ስዒቡ ድማ ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ናበራኡ ክምለስ ኪኢሉ። ሓረስታይ ናብ ሕርሻኡ፤ተምሃራይ ናብ ቤት ትምህርቱ፣ ነጋዳይ ናብ ንግዱ፣ሰርሕተኛ ናብ ስራሑ…ተመሊሱ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ክልል ትግራይ ፅቡቕ ኣፋፍኖት ረኺቡ።ድልየት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሰላምን ጥራይ ስለዝነበረ ። ህዝቢ ትግራይ ሰላም ብምርካቡ ንክልተ ዓመታት ካብ ዝነበሮ ጭንቅን መከራን ተናጊፉ። ካብን ናብን ምንቅስቓሳት ብምጅማሮም ናብራኡ ክረጋጋዕ ዝኽእለሉ ኹነታት ተፈጢሩ። ህዝቢ ኣብ ሓጎስን ሓዘንን ብዘይ ፀገም እናተረኻበ ማሕበራዊ ዋኒኑ ዝፍፅመሉ ኹነታት ተፈጢሩ። ትካላት ፌደራል ዝኾና ከም ባንኪ፣መንገዲ ኣየር፣ሓይሊ መብራህቲን ቴሌን…ስራሕተን ብምጅማር ናብራ ዝቐለለ ንክኸውን ናይ ባዕለን እጃም ኣበርኪተን። እዚ ኹሉ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ራህዋን ስለዝግብኦ ዝተገበረ ምዃኑ ምርዳእ ይግባእ። ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ዘለዋ ቢሮታትን ቤት ፅሕፈታትን ክልል ስሩዕ ስራሐን ክሰርሓሉ ዝኽእላ ምችው ኹነታት ተፈጢሩ። ህዝቢ መንግስታዊ ግልጋሎት ንኽረክብ ዘኽእሉ ኹነታት ብምፍጣሮም ዝተረጋገዐ ናብራ ምንባር ጀሚሩ ነይሩ። ኮይኑ ግና ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ህወሓት ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ እቲ ህዝቢ ዳግም ኣብ ስግኣት ወዲቑ ። ብመሰረቱ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ንቡርን ዘይተርፍን ‘ዩ። ኮይኑ ግና ብዝሰልጠነ መገድን ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ዝፍታሕ’ምበር ብጎንፂ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብጎንፂን ሓይልን ንምፍታሕ ፃዕሪ ምግባር ግቡእ ኣይኮነን። ንህዝቢ ትግራይ’ውን ኣይግብኦን። ዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ወይከዓ ሓይሊ ካብ ሕጊ ንላዕሊ ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ ፖለቲካዊ ውድባት ብመሰረት ህገ መንግስቲን ሕግታት ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ክመሓደሩ ግድን’ዩ። ኩሉ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሶም ሕጊ ሃገር ዘኽበረ ክኸውን ይግባእ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ኹነታት ግና ብፍላይ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዘይተቐበሉ ‹‹ጉባኤ ኣካይደ ‘የ›› ዝበለ ሓይሊ፤ስዒቡ ድማ ንሰለስተ ወርሒ ካብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዝተኣገደ ሓይሊ ሐዚ ኣብ ትግራይ እናፈፀሞ ዘሎ ጎንፂ ናይ ምፍጣር ኹነታት ጌጋ ምዃኑን ሕጋዊ ተሓታትነት ዘስዕብ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። ኣብ ቀረባ መዓልትታት ኣብ ትግራይ ዝረኣዩ ዘለዎ ጎንፂ ናይ ምፍጣርን ሓይሊ ናይ ምጥቃምን ተርእዮታት ህዝቢ ኣብ ስግኣት ክወድቕ ገይሮምዎ ኣለዎ። ጎንፂን ሓይሊ ምጥቓምን እንትህሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ጉድኣት ምብፃሑ ኣይተርፍን። እዚ ግና ንህዝቢ ትግራይ ዘይግብኦን ዘይምጥኖን ተግባር ስለዝኾነ ጠጠው ክብል ኣለዎ። ህጋዊ ተሓታትነት ዘስዕብ ምዃኑ ምርዳእ’ውን ይግባእ። ባህግን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ቅሳነትን’ምበር ህወከት፣ዕግርግርን ጎንፅን ኣይኮነን። ዝተረጋገዐ ናብራ ‘ምበር ስግኣትን ዘይምርግጋዕ ኣይኮነን። ንህዝቢ ትግራይ ጠጠው ዝበልኩ ‘የ ዝብል ዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ወይ ሓይሊ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ክኸውን ክሰርሕ ይግባእ ‘ምበር ንህዝቢ ናብ ስግኣት ክመርሕ ኣይግብኦን። ኣብ ትግራይ ብዙሕ ዘይተፈትሑ ፀገማት ኣለው። ስእነት ስራሕ ኣሎ። ዝተመዛበለ ህዝቢ ኣሎ። ካልኦት ፀገማት ‘ውን ኣለው። እዞም ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ኣብ ክንዲ ምንጣፍ ንቶም ፀገማት ዘጋድድ ጎንፂ ምፍሓስን ምፍጣርን ግቡእ ኣይኮነን። ብሞራልን ብሕግን ተሓታቲ ይገብር። ህዝቢ ተስፋ ንክቖርፅ ዝገብር ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ካብ ትግራይ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ መናእሰይን ስደት መሪፆም ኣንትጓዓዙ ኣማኢት ኣብ ሓደጋ ጢሕሎም ‘ዮም። መንቀሊ እቲ ስደት ካብ ኢኮኖሚያዊ ፀገም ብተወሳኺ ኣብ መራሕቲን ኣብ ፖለቲካዊ ኹነታት ትግራይ ተስፋ ምቑራፅን ምስኣንን’ዩ። ሐዚ ድማ ኣብ ክንዲ ክመሓየሽ እቲ ፀገም ናብ ዝገደደ ፀፍሒ በፂሑ ውሽጣዊ ጎንፂ ምትእንጋድ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ኹነታት ህዝቢ ዝያዳ ተስፋ ክቖርፅ ብምግባር ብፍላይ መናእሰይ ስደት ንክመርፁ ዘተባባብዕ ስለዝኾነ ጠጠው ክብል ይግባእ። ብሓፈሻ ንህዝቢ ትግራይ ዘይምጥን ተግባር ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ሰላም’ምበር ጎንፂ ኣይግብኦን! ድልየት ህዝቢ ትግራይ ንወትርኡ ሰላምን ሰላምን ጥራይ እዩ።
ድልየት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሰላምን ጥራይ እዩ
Mar 16, 2025 967

ሰላም፣ ምትሕግጋዝን ሓድነትን ዘሓዘለ - መልእክት ሰናይ
Jul 20, 2023 4504
ሓምለዋይ አሰር ፈልሲ ምትካል ጥራሕ ዘይኮነስ ሰላም፣ ፍቕርን ሓድነትን ‘ውን ‘ ምትካል ዩ - መልእክቲ ሰናይ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ፅርኣ ወንበርታ ጣብያ ሚካኤል ኣምባ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ፌዴራልን መራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ምስ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ መደብ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓሙሽተ ሚኢቲ ሚሊዮን ፈልሲ ምትካል 10 ሓምለ 2015 ዓ.ም ኣካይዶም። ኣብቲ መደብ ዝተሳተፉ ኣፈ- ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ከምዝገለፅዎ፤ ብ መደብ ሓምለዋይ ኣሰር ኣቢልና ዝተኸልናዮ ፈልሲ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰላም፣ ምትሕግጋዝን ሓድነትን ዘንፀባርቕ ‘ውን ‘ዩ ኢሎም። ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ሰበ-ስልጣን ፌደራል መሪሖም ንኻልኣይ ግዜ ናብ ትግራይ ከምዝኸዱ ዘዘኻኸሩ እቶም ኣፈጉባኤ፤ ሓምለዋይ አሰር ምንባር ሓደ ዓብይ ልእኩቶ ሃገር እዩ በቲ ካልእ ገፅ ድማ ስምምዕነት ሰላም ንምሕያል፣ ሰላምን ፍቕርን ንምጥንኻር ‘ውን ክቡር ስራሕ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም። ሰላም ኣብ ምቕፃል ዓቢዪ ፃዕሪ ጌርና ኢና። ብምዃኑ ‘ውን ብዙሕ ለውጥታት ተረኺቦም ‘ዮም። ውፅኢቱ መላእ ህዝቢ ትግራይ ይርድኦ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን ክብሉ ተዛሪቦም። ሰላምና፣ ፍቕርናን ሓድነትናን ንምጥንኻር ፀገማትና ብዘተ ክንፈትሕ ይግባእ ዝበሉ ኣይተ ታገሰ፤ ብዘተ እንተኸይድና ክፍትሑ ዘይክእሉ ፀገማት የለዉን። ድማ ነዚዝኸውን ባህልን ልምድን ኣለና ‘ዩ። እቲ ዝተረኽበ ሰላም ብልምዓት ብምድጋፍ ክነጠናኸሮ ይግባእ ዝበሉ እቶም ኣፈጉባኤ፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምሕላውን ምንክብኻብን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዙሕ ስራሕ ብምስራሕ ንኻልኦት ፍልጠትን ተሞክሮን ዘካፈለ ህዝቢ ‘ዩ፤ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ንቀፃሊ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም፤ ዝተረኸበ ሰላም ብዝበለፀ ንምርግጋፅ እናሰራሕና ኣብ ልምዓት ክልልና ‘ውን ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ገሊፆም። ሰላምን ልምዓትን ንምጥንኻር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ምስ ፌደራል መንግስቲ ብምትሕብባር ክንሰርሕ ኢና ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፤ ኣብዚ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝስርሑ ስራሕቲ ልምዓትን ሰላምን ዝያዳ ክሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣብቲ ክልል ዘይተሰርሑ ብዙሓት ፕሮጀክትታት ስለዘለዉ ህዝቢ ዓቕሙ ብዝፈቐዶ መንገዲ ንዕውትነት ስራሕቲ ልምዓት ክረባረብ ይግባእ። ነዚ ድማ ካብ ፌደራልን ካልኦት ኣካላትን ብዝግበር ሓገዝ ኣዋሃሂድና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ሞዴል ‘ዩ። ሕዚ ድማ ካብቲ ዝነበረ ኩናት ወፂኡ ናብ ሰላም ተመሊሱ ኣብ ልምዓታዊ ስራሕቲ ይሳተፍ ምህላዉ ዘሐጉስ ‘ዩ ኢሎም። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሕርሻ ፕሮፌሰር እያሱ ኤልያስ ብግዲኦም፤ እዚ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ኩናት ኣብ መደባት ሓምለዋይ አሰር ዘይተሳተፈ ‘ኳ እንተነበረ ሕዚ ግን ናብ ልምዓት ይምለስ ምህላዉ ዘተባብዕን ዘሕጉስን ‘ዩ ኢሎም። ኣብዚ ሓቢርና ፈልሲ ምትካልና መግለፂ ምትሕግጋዝናን ፍቕርናን ‘ዩ ዝበሉ ፕሮፌሰር እያሱ፤ እቲ ሚኒስቴር ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ልምዓት ንምሕጋዝ ድልዊ ከምዝኾነ ገሊፆም። ምትሕግጋዝ ተጣናኺሩ ክቕፅል ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ምንክብኻብን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ወሲኾም ገሊፆም። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ዝተቓልዑ ቦታታት ብፈልሲ ክሽፈኑ ይግባእ ዝበሉ ፕሮፌሰር ኢያሱ፤ ኣብ ከምዚ ዝበለ ልምዓት ሓቢርና ብዝተጠናኸረ መልክዑ ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም። ሕድርን ፍቅርን ሰላምን ሓድነትን ዝሰነቀ ረዚን መልእክቲ
ኩሉ በቢደረጅኡ ሓላፍነቱ ብምውፃእ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንክቃለል ክሰርሕ ትፅቢት ይግበረሉ።
Apr 20, 2023 4837
ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻደ ኩናት፡፡ ማሕበራዊ ህይወት ህዝቢ አናጊዑ ‘ዩ። እቲ ኩናት ዝፈጠሮ በሰላ ብጣዕሚ ከቢድ‘ዩ። ምስቲ ኩናት ርክብ ዘይብሉ ህዝቢ’ውን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ግዳይ እቲ ሓደጋ ኮይኑ ‘ዩ።ኣብቲ ክልል ዓብዪ ስነኣእምሯዊ ማሕሰይቲ፣ጉድኣት ኣካል ፣ ምጥፋእ ሂወትን ስነ ልቦናዊ ፀገምን በፂሑ ‘ዩ።ስለዚ እዚ ኣካይዳ ትኽክል ስለዘይኮነ ዳግም ከይድገም ኩሉ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣለዎ፡፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣብ ስርሑ ክውዕል፣ ሓረስታይ ኣብ ማሕረሱ ከምኡ ‘ውን ተምሃሮ ኣብ ትምህርቶም ክውዕሉ እናተገበኦም ብሰንኪ እቲ ኩናት ካብዚ ወፃኢ ክኾኑ ተገዲዶም ‘ዮም፡፡ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ትግራይ ኾነ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንክዓስል ብፍላይ ኣብቲ ልዑል ዕንወት ዝበፅሓ ትግራይ ናብ ንቡር ሂወት ንክትምለስ ብዝተዋደደ መልክዑ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ንክጅመሩ ኣብዘድልየሉ ወሳናይ እዋን ንርከብ። ኣብዚ ድማ እቲ ዋና ብሓላፊነት ክፍፅሞ ዘለዎ መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ማሕበረ ሰብ ብዝኽእሎ ዓቅሚ ካብቲ ብሰንኪ መዕነዋይ ኹናት ዝበፅሐ ብርሰትን ዕንወትን ናብ ልምዓት ንምስግጋር እኹል ትኹረት ተሳትፎን ካብ ኩሉ ዝፅበይ ዋኒን ከምዝኾነ የኣምን። ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ እቲ ቐዳምነት ዝወሃቦ ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ መረበቱ ሓዲጉ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ንቡር ናብራ ንክህልዎ ምግባር’ዩ፡፡ካሊእ ዝዓነወ፣ ዝተቓፀለን ዝተጎሓለን ገዛውቱ ከም ብሓዱሽ ምህናፅን ዝተጉሓለ ንብረቱ ዝምጥን ብዝኾነ መገዲ እንትረክብን ‘ዩ።ዝተመዛበለ ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ናብራኡ ምምላስ ኩሉ ደላይ ሰላምን ልምዓትን ዝኣምነሉን ብሃንቀውታ ዝፅበዮ ዕዮ ገዛ መንግስቲ ምዃኑ እሙን እዩ ። ተመዛበልቲ ናብ ንቡር ካብ ምምላስ ጎና ጎኒ ድማ ንዳግመ ህንፀት ዝውዕል ድጋፋት ኣድላይ ምዃኑ ርዱእ ‘ዩ። ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ወፃኢ መንግስታትን ዓለም ለኻዊን ኣህጉራዊን ውዳበታትን ሓገዛት ንክመፅእ’ውን ትፅቢት ዝግበረሉ ኮይኑ እቲ ሓገዛትን ድጋፋትን ድማ ብትኽክል ናብቲ ዝመፅአሉ ትኽክለኛ ዕላማን ቦታን ንክውዕልን ንክበፅሕን ኣድላይ ኽትትል ብምግባር ምርግጋፅ ኣድላዪ ይኸውን። ብናይ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ዝእከብ ሓገዝ ንብረትን ገንዘብን ናብ ትኽክለኛ መዓሉ ንክውዕል ጥንኩር ሜላታት ኣሰራርሓ እንካብ ምትእትታው ኣድላይ ‘ዩ። እዚ ብኣግባቡ ንምፍፃም ድማ እቲ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዳግመ ህንፀት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት በቲ ዝድለ መንገዲ ተቐላጢፎም ከይህነፁ ዕንቕፋት ዝኾኑ ፀገማት ኣለልዩ ከወግዶም ከምዝግባእ ልዑል ትኹረት ተዋሂብዎም ክስርሑ ካብዘለዎም ስራሕቲ ሓደ’ዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ዝምስረት ሓፂር እዋን እኳ እንተኾነ ነዚ ተግባር ንምፍፃም ተስፋ ዝህቡ ጅማሮ ስራሕቲ ይርኣይ ኣለዉ ‘ዮም፡፡ ብፍላይ ምጅማር ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት መንግስቲ ፌደራል ከም ሚኒስቴር ትምህርትን ጥዕናን ዝኣምሰላ ዑደት ስራሕ ኣብ ትግራይ ምክያደንን ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት መባእታ ትምህርቲ ክጅመሩ ምግባርን ዝበራታታዕ ጉዳይ ‘ዩ፡፡ ኣብ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ብፍላይ ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ከምኡ ‘ውን ኣብ ግልጋሎት፣ ባንኪ፣ ስልኪ፣ መብራሕትን ማይን ዘለዉ መሰረታዊ ፀገማት ንምፍታሕ ብስፍሓት ኣብ ምስራሕ ልዑል መብራብ ዝሓትት ከምዝኾነ ፍሉጥ ‘ዩ። እቲ ዘሎ ፅቡቅ ጅማሮ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ኩሉመዳያዊ ተበፃሕነት ቅልጣፈን ትኹረት ክወሃቦ ዘለዎ ኮይኑ፤ እቲ ቀንዲን ዝዓበየን ውራይ ዳግመ ህንፀት ክስራሕ ዘለዎ ድማ ኣብ ምልማዕ ኣእምሮ ወዲሰብ ስለዝኾነ ብቑጠባ ይኹን ብትምህርቲ ድልዱል ዜጋ ንምፍጣር ተጀሚሩ ዘሎ ስራሒቲ ተጠናኺሩ ንክቅፅል ኩሉ ዝመልከቶ ኣካል ብግዜ የለን ክሳተፍን ክዋሳእን ይግባእ። ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ሰላም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ኣቲዩ ኣሎ።ስለዝኾነ ድማ ኣብ ትግራይ ንዝስራሕ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ሕወየትን ምችው ኩነታት ስለተፈጠረ ብግዘ የለን መንፈስ ምስራሕ ግድን ይኸውን።ስለዚ በታ ዝተረኸበት ዓቕሚን ሃፍተ ገነትን ኩሉ በቢደረጅኡ ሓላፍነቱ ብምውፃእ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንክቃለል ክሰርሕ ግድን ይኸውን።
ትንታነ
ስምምዕነት ፕሪቶሪያ-ዋሕስ ሰላም ህዝቢ ትግራይ
Mar 21, 2025 1514
ዕለት/12/መጋቢት/2017/ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ኩናት ብስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዐልባት ረኺቡ፡፡ ህዝቢ ትግራይ’ውን ሐዚ ዘድልዮ ኩናትን ጎንፅን ዘይኮነስ ሰላምን ልምዓትን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ይገልፅ ኣሎ፡፡ ኮይኑ ግና እቲ ሓደ ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ዝኸዶ ዘሎ ኣካይዳ ንህዝቢ ሰላም ዘስእን ምዃኑ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንመራኸቢ ማዕኸናት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ገሊፆም’ዮም፡፡ ፕሬዝዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቶም ተቐማጥነቶም ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ዝተጣየሸ ግልፂ ሓላፍነትን ሕጋዊ ተቐባልነትን ዘለዎ ምምሕዳር ‘ዩ ይብሉ።ይኹን እምበር ሕጋዊ ተቐባልነት ዝሰኣነ ሓደ ጉጅለ ፍንጫል ህወሓት ምስ ዝተወሰኑ መራሕቲ ዕጡቓት ብምትሕብባር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እቲ ክልል ስልጣን ብሓይሊ ንምምንጣል እናተንቀሳቐሰ ከምዝኾነ ይሕብሩ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ህዝቢ ትግራይን ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብትኽክል ተግባራዊ ንክኸውን ከምዝደልዩ ብምሕባር፤ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ንምዕላው ብዝፈጠሮ ፀገም ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብግልፂ ኣፍሪስዎ ‘ዩ ይብሉ። ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስን ዕጡቓት ዳግማይ ንምጥያሽን ዝተጀመረ ፃዕሪ ‘ውን በዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ከምዝተኣጓጎለ የረድኡ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ብምፍራስ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ተግባራዊ ንከይኸውን ዝገብሩ ዘለዉ ውሑዳት ኣመራርሓ ፍንጫል ህወሓትን ሰራዊትን ከምዝኾኑ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ብግልፂ ክፈልጥ ይግባእ ድሕሪ ምባል፤ ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኢትዮጵያ ብደገፍ መንግስቲ ፌዴራልን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ብ10 ኣሽሓት ዝቑፀሩ ነበር ዕጡቓት ዳግማይ ንምጥያሽ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ በዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ከምዝተቛረፀ ኣብሪሆም ‘ዮም። ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልእ ሳልሳይ ኣካል ኣዋጅ ኩናት ክሳብ ዘይገጠሞ ንናይ ውሕዳት ውልቐ ሰባት ወንበር ንምሕላው ኢሉ ናብ ኩናት ናይ ምእታው ድሌት የብሉን። ሕዚ ትግራይ ኣትያቶ ዘላ ህልው ኩነታት ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበረ፣ መንግስቲ ፌደራል ንውዕል ፕሪቶርያ ብዘይ ምትግባሩ ናይ በዓሉ ግደ ዋላ እንተሃለዎ ኮይኑ ግና ቀንዲ ተሓታቲ ናይዚ ህውከት እቲ ጉባኤ ኣካይደ ኣላኹ ዝብል ጉጅለ ምዃኑ ይሕበሩ። ብተወሳኺ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ እዋኑ ኣብ ግብሪ ኣብ ዝውዕለሉ ዝነበረ እዋን እውን በዚ ጉጅለ ዝፈጠሮ ዕንቅፋት ነቲ ስምምዕ ንምትግባር ኣፀጋሚ ከምዝገበሮ ብምግላፅ፤ እዚ ጉጅለ እዚ ካብ ነፍሲ ወከፍ ጣብያ፣ ወረዳ፣ ከንቲባ ከተማ ማሕተም እናሕደገ ዘሎ ጉጅለ፣ እቲ ዝደልዮ ንህዝቢ ትግራይ ሰላም ዘይኮነስ ንውልቃዊ ስልጣን ምዃኑ ዘርኢ ‘ዩ ይብሉ። ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር) ብወገኖም ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ እቲ ዓርሱ ነፂሉ ዝወፅአ ጉጅለ ህወሓት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምሉእ ንኸይትግበር ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ። ብተወሳኺ ‘ውን ቦርድ መረፃ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንኸሳልጥ ንዝሃቦ መምርሒ ኣይተቐበለን ይብሉ። መንግስቲ ፌደራል ውዕሊ ፕሪቶሪያ ሙሉእ፣ብሙሉእ ንኽትግበር እናሰርሐ ምዃኑ ብምግላፅ፤ መንግስቲ ንእዋናዊ ኹነታት እቲ ክልል ብፅሞና እናተኸታተለ ኮይኑ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ‘ውን ኣብቲ ክልል ዝተፈጠረ ፀገም ንምፍታሕ ኣድላዪ ሓገዝ ንኽገብር ፃውዒት ኣቕሪቦም ‘ዮም። ኣቦወንበር ትዴፓ ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር) ጉጅለ ፍንጫል ህወሓት ነቲ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ከይትግበር ዕንቕፋት ካብ ምዃን ክቑጠብ ኣለዎ፤ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ድሌታት ህዝቢ ዘኽበረን ፀገማት ህዝቢ ብሰላማዊ መንገዲ መፍትሒ ክረኽቡ በሪ ዝኸፈተን ታሪኻዊ ስምምዕ ‘ዩ ክብሉ ይገልፁ። እቲ ጉጅለ ኣብ ስልጣን ዘመኑ ዘኣከቦ ሃፍቲ ክስእኖ ‘የ ካብ ምባል ፍርሒ ዝተለዓለ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ብዝተማለአ መልክዑ ከይትግበር ዕንቕፋት እናፈጠረ ይርከብ። ስለዚ ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ክቑጠብ ይግባእ። ድሌት ህዝቢ ሰላምን ልምዓትን ‘ዩ። ፌደራል መንግስቲ ነቲ ንውዕል ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝገብሮም ዘለዉ ስራሕቲ ክቕፅለሉ ኣለዎ ክብሉ ይሓቱ። ኣብ ክልል ትግራይ ዘላቒ ሰላም ንኸይነግስ ዝግበር ከይዲ ፀረ-ሰላም ሓይሊታት ብኣግባቡ ምግንዛብ ይግባእ ዝበሉ ድማ ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢታትን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) እንትኾኑ፤ ኣብቲ ክልል ዘላቒ ሰላም ንኸይነግስ እቲ ህዝቢ ኣብ ዓንኬል ጎንፂ ብምፅማድን ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምፍጣርን ባህጊ ጉጅለኦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንምፅዓን ዝንቀሳቐሱ ፀረ-ሰላም ሓይሊታት ኣካይደኦም ብኣግባቡ ምግንዛብ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም። ስራሕቲ ሰላም ንከይስርሑ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምፍጣር ለይቲን ቀትሪን ዝሰርሑ ሓይሊታት ምህላዎም ግልፂ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፣ እቶም ሓይልታት ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብረብሓ ዝምድና ብምፍጣር ሃፍቲ ይወሩ ከምዘለዉ ሓቢሮም ‘ዮም። ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምፍጣር ዳግማይ ጎንፂ ንምውላዕን መንግስቲ ንምፍራስን ዝደሊዩ ኣካላት ብስፍሓት ይረአዩ ከምዘለዉ ብምግላፅ፤ ባህጊ መንእሰይ ትግራይ ሰላም ከምዝኾነ፤ ህዝብን ኣካላት ፀጥታን ኢሉ’ውን መናእሰይ እቶም ሓይሊታት ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ክሳብ ዘይተቐበሎ ንበይኖም ዘምፅእዎ ለውጢ ከምዘይህሊ ኣገንዚቦም ‘ዮም። ህዝብና ካብ ፀገም ዘይወፅአን ኣብ ልዑል ሓዘን ዝርከብን ማሕበረሰብ ‘ዩ ብምባል፣ ባህጊ ህዝቢ ካብ ዝበፅሖ ፀገም ምውፃእ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ዝሃቡ ዘእንትኾኑ፤ ጥፍኣተኛታት ሓይሊታት ፈሊዩ ምፍላጥ ኣድላዪ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ነዚ ብዝተማልአ ኩነታት እናገለፀ ከምዝኾነን መንግስቲ ፌዴራል መፍትሒ ንክህብ ይሓትት ከምዘሎን ገሊፆም ‘ዮም። ሓላፊ ዘፈር ፖለቲካ ጨንፈር ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ኣይተ ጎይተኦም በርሀ ብወገኖም ኣብዚ ጉዳይ ኣድሂቦም ከምዝገለፅዎ፣ህዝቢ ትግራይ መሰረት ኢትዮጵያ ‘ዩ፤ ምስ ኢትዮጵያ ዝነፃፀል ኣይኮነን። ንኢትዮጵያ ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ‘ዩ። ብሰላምን ልምዓትን ዝደራደር ህዝቢ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ክፈርስ ኣይደልን። ሙሉእ ብሙሉእ ክትግበር ‘ዩ ድሌቱ። ምኽንያቱ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ኵናት ኣውፂኡ ስለ ሰላምን ልምዓትን ክሓስብ ዝገበረ ‘ዩ ክብሉ ይገልፁ። ነቲ ኵነት ስዒቡ ዝመፀ ፀገም ክሳብ ሕዚ ኣይተፈትሐን፤ ኩሎም ተመዛበልቲ ኣይተመለሱን፤ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊኦም ኣይተፀገኑን። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ሰላምን ልምዓትን ክሰፍነሉ ‘ዩ ድሌቱ። ስለዚ ካብ ውልቀን ጉጅለን ረብሓ ወፂእኻ ኣብ ሰላምን ልምዓትን ምዕሳል የድሊ ክብሉ የርድኡ። ናይ ትግራይ ሰላም ናይ ኢትዮጵያ ሰላም ከምዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ይርዳእ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፤ ኣብ ሰላም ትግራይ ኩሉ ክሕግዝ ኣለዎ። ኵናት ብዝተፈጥረ ቑፅሪ ህዝቢ ትግራይ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካውን ዝጉዳእ ምዃኑ ብዝግባእ ይርዳእ ‘ዩ። ብምዃኑ ህዝቢ ትግራይ ብሰላምን ልምዓት ዝደራደር ህዝቢ ኣይኮነን ክብሉ ይገልፁ። ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ሰላሙ ክዝረግ ኣይደልን። ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝተረኽበ ለውጢ ዋላ ሙሉእ ኣይኹን እቲ ለውጢ ሪኢዎ ‘ዩ። እዚ ፈፂሙ ንደሓር ክምለስ ኣይደልን። ስለዚ ዝኾነ ኣካል ኣብ ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ዘለዎ። ብፍላይ ፖለቲከኛታት ንውልቀ ረብሐኦም ክብሉ ካብ ድሌት ህዝቢ ትግራይ ወፃኢ ክኸዱ የብሎምን ክብሉ ይመኽሩ።/ፍልፍል ጋዜጣ ወጋሕታ/መግለፂ ፕሬዝዳንት ክልል ትግራይ
ኣብ ዓመት 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ መዕርፎ ነፈርቲ ኢትዮጵያ
Jan 9, 2025 1259
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ልዕሊ 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ ካብ ኣፍሪካ እቲ ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ይህነፅ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ልዕሊ 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ ካብ ኣፍሪካ እቲ ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ብ 5 ቢሊዮን ፓውንድ እናሃነፀ ̒ዩ፡፡ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ከም ዝዛዘም ትፅቢት ይግበር፡፡ኤክስፕረስ ኒውስ ከም ዝፀብፀቦ፤መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እዛ ሃገር ማእኸል ኣቬሽን ኣፍሪካ ዝገብር ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ንምህናፅ ብዘለዎ ዓብዪ ትልምን መልክዐ ዞባዊ ኣቬሽን ድሙቕ አሰር ከዕርፍ ዘኽእል ̒ዩ፡፡ ኣብ ቢሾፍቱ ኣቡሴራ ዝርከብ እዚ ግዙፍ ፕሮጀክት መንገዲ ኣየር፤ካብ ዓለም መራሒ ሓይሊ ኣቬሽን ንምዃን ዝሓዞ ስትራተጂ ዕቅድ 15 ዓመት እምነ ኹርናዕ ̒ዩ ተባሂሉ፡፡ ዋና ፈፃሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፤ዲዛይን እቲ መንገዲ ኣየር ንምድላው ኣብ ዱባይ ምስ ዝርከብ ኣማኻሪ ስምምዕ ዕዳጋ ተፈራሪሙ ̒ዩ፡፡ ኣብ 2029 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ዝዛዘም እዚ ፕሮጀክት ኣብ ዓመት 60 ሚሊዮን ተጉዓዝቲ ከም ዘተኣናግድ ትፅቢት ይግበር፡፡ንቐፃሊ ዓቕሙ ብምዕባይ ኣብ ዓመት 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ከተኣናግድ ̒ዩ ኢሎም፡፡ ‹‹ዛሃ ኣርክቴክታትን (ZHA) ዳር ኣል-ሃንዳሳ ኣማኸርቲ›› ከም ዝገለፅዎ፤ተርሚናል እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ 600 ሽሕ ሜትር ካሬ ቦታን 126 ሽሕ ሜትር ወሃቢ ድጋፍ መንገዲ ኣየር ቦታ ዝሽፍን ̒ዩ፡፡ ኣቀማምጥኡ ፍሉጥ፣ገፊሕን ብብርሃን ዝተመልአን ተርሚናል ዘካተተ እንትኸውን፤ንተጉዓዝቲ ፅፉፍ ፍሰት ምንቅስቓስ ንምቕራብ ዝዓለመ ከም ዝኾነ ሓቢሮም፡፡ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣንፈት ደቡብ ምብራቕ 40 ኪሎ ሜትር እትርሕቕ ጥቓ ከተማ ቢሾፍቱ ̒ዩ ዝህነፅ፡፡ ዳይሬክተር ‹‹ዜድኤ›› ኣቬሽን ካሪስትያኖ ሴካቶ ብወገኖም፤እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ማእኸል ትራንስፖር እቲ ኣህጉር ክገብራ ̒ዩ ኢሎም፡፡ እዚ ንዓለምለኸ ዕዳጋ ዘተኣሳስርን ኢትዮጵያ ማእኸል ትራንስፖርት ናይዚ ኣህጉር ከም ዝገብራ ብምጥቃስ፤ኣብ ዓለም ዘለዉ ማሕበረሰባት ብዝተዋደደ ስርዓት መጉዓዚ ኣየር ከራኽብ ̒ዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡ ልዕሊ 150 መባፀሕቲ ዓለም ኣብ ምግልጋል ዝርከብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2023/24 ካብ ኣፍሪካ እቲ ገዚፍ መንገዲ ኣየር ክኸውን ዝኸኣለ እንትኸውን፤ንልዕሊ 17 ሚሊዮን ተጉዓዝቲ ግልጋሎት ብምሃብ 7 ቢሊዮን ዶላር እቶት ከም ዝረኸበ ገሊፆም፡፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ልዕሊ 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ ካብ ኣፍሪካ እቲ ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ይህነፅ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ ኮይኑ እዚ ህንፀቱ ምስ ተዛዘም ታአምር ዘብል ውፂኢት ሒዙ ክቐልቀል እዩ ፡፡
ምግታእ ኵናት’ዶ ጽሕተራ ተፃብኦ….?
Dec 4, 2024 1420
ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ዝሃብዎ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ከም መራሒ ኤርትራ ዘይኮነስ ከም ፖለቲካዊ ተንታኒ ኣሕጉራውን ዞባውን ጉዳያት ኮይኖም ቅልቐል ዝበሉ እዮም ዝመስሉ። ኣብ’ቲ ቃለ-መሕትት ካብ ጉዳያት ንኻልኣይ ግዜ ምምራጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቁዋማት አሜሪካን ዓለምን ክህሉ ዝኽእል ለውጢ ስጋብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሀገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ሱሉስ ኪዳንን አመልኪቶም ክትንትኑ ፈቲኖም’ዮም። ኣብ ጉዳያት ኣሜሪካ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣስታት ክልተ ሰዓት ዝወድአ ትንታነ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንጸገማት ኤርትራ ንምእላይ ዘኽእሉ ዘቤታዊ ዛዕባን ኣጀንዳን ከምዘይብሎም ግን ተጋሂዱ’ሎ። ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣድሂቦም ዝሃብዎ መብርሂ 40 ደቓይቕ ዘይመልእ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ዲጋን ዒላን ዘይሓለፈ ከንቱ መደረ ምዃኑ ድማ ኣዝዩ ዘሕፍር’ዩ። ኤርትራ ኣባል ዓለምለኻዊ ዘይሻራዊ ምንቅስቓስ ከምዝኾነት ዝፍለጥ’ዩ። ካብ’ተን ሓሙሽተ መትከል እዚ ምንቅስቓስ ድማ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ካልኦት ሃገራት ካብ ምትእትታው ምቑጣብ’ዩ። ስለምንታይ ደኣ ፕሪዚደንት ኢሳያስ ነዚ መትከል ጥሒሶም ኣብ ውሽጢ ጉዳያት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካን ካልኦትን ክዕምጡቑ ዘምሰዩ ኢልካ ምሕታት ንብሩ’ዩ። ካልእ ኣይኮነን ፀገማት ኤርትራ መበጊሲኦም ንሶም ዝመርሕዎ መንግሥቲ ዝኽተሎ ገባቲን ጉጉይን ምሕደራ ከምዘይኮነ ንምእማን ዘድሀበ ግዳማዊ ምኽንያታት ኣብ ምቕራብ ዝህቅን’ዩ። ፕሬዚደንት ኢሳያስ ክዛረቡ ኸለዉ ብሰንኪ ሰኣኖ ሸቕልን መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኤርትራውያን መንእሰያት ነኣደዳ ስድትን ሞትን ተቓሊኦም ከም ጥረ ጨው ፋሕፋሕ ኢሎም ባዶ ሃገር ዝመርሑ ዘለዉ ኣይመስሉን። እኳ ደኣስ ኩሉ መሊኡ ዝተረፋን ቅስንቲ ዓዲ ብምምራሕ ፀገማት ጎረባብቲ ሃገራት ንምፍታሕ ላዕልን ታሕትን እትብል መረሒ ሓያል ሃገር እዮም ዝመስሉ። ነታ ማይ፣ መብራህቲትን ካልዖት ቐረባት አገልግሎታት ሓረሚዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ጥጡሕ ፖሊሲ ዕበየትን ቁጠባን ኣታኣቲዮም ኣብ ክንዲ ዝድብስዎ ሕጂው’ን ኣብ ካልእ ቆይቁይ ንምሽኻል ምህቃኖም ዘጉይ’ዩ። እዚ ኸኣ ንምፍታሕ ፀገማት ኤርትራን ኤርትራውያንን ድሌትን ተበግሶን ከምዘይብሎም ዘራጋግፅ’ዩ። ብፍላይ ኣብ 2025 ኣብ ዝዀነ ጐናዊ ኵናት ከምዘይእቶን "ናይ ምግታእ ፖሊሲ" ከምዝኽተሉን ምግላጾም ብወዝቢ ንዝሰምዖ አዎንታዊ እንተመሰለ’ኳ ሕሉፍ ተሞክሮ ዘረጋግፆ ግን ፕሬዚደንት ኢሳያስ ብዘይ ኵናት ክነብሩ ዘክእሉ መራሒ ከምዝኾኑ’ዩ። ኤርትራ ካብ ምፅሕታር ተፃብኦታት ወፂኣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘየድልዩ ምዕባለታት ከይመጹ ኣብ ምግታእ ኣበርክቶ ክትገብር ናይ ብሓቂ ድልውቲ ድያ ዝብል ሕቶ ግዜ ዝምልሶ’ዩ ዝኸውን።
ጉዑዞ ተስፋን ቅሳነትን ንክስምር
Apr 6, 2023 5538
አዲስ አበባ/ መጋቢት 28 /2015/ ኢዜአ/ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ልዕሊ ሓሙሽተ ወርሒ ኣቑፂሩ ኣሎ። ኣብዘን እዋናት ብርክት ዝበሉ ኣወንታዊ ስጉምትታት ብመንግስቲ ፌደራል ተወሲዶም ‘ዮም። ሰብኣዊ ሓገዝን መድሓኒትን ብዘይዓንቀፍቀፍ ናብ ትግራይ ንክኣቱን መሰረታዊ ግልጋሎት ከም ቴሌኮም፣ ባንኪ፣ ኤሌክትሪክ፣ ጥዕና ስራሕ ንክጅምሩ ሰሪሑ ኣሎ። ብወገን ህወሓት’ውን ከቢድ ብረት ምርካብን ምጅማሩን ዕጡቓት ካብ ድፋዕ ብምርሓቕ ኣብ ዝተወሰኑ ቦታታት ንክእክቡ ገይሩ ኣሎ። እዞም ስጉምትታት ንቲ ስምምዕነት ናብ ባይታ ብምውራድ ዘላቒ ሰላም ንክመፅእ ዝሕግዙ’ዮም። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ሓድሽ ጉዕዞን ቅሳነትን ሒዙ መፂኡ ኣሎ። ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ራዕዳዊ ተባሂሉ ተሰይሙ ዝነበረ ህወሓት ስያሜኡ ንክለዓል ተገይሩ’ዩ። ቐፂሉ ድማ ምስ ጎንፂ ተተሓሒዙ ክሲ ተመስሪቲዎም ዝነበሩ ፖለቲካዊ አመራርሃታት ህወሓትን ከምኡ ውን ወታደራትን ክሶም ተቋሪፁ ካብ ቤት ህንፀት ወፂኦም ኣለው። እዚ ብመንግስቲ ፌደራል ዝተወሰደ ስጉምቲ ንቲ ስምምዕነት ዘለዎ ተኣማንነትን ንሰላም ዘለዎ ቁርፀኛ ቅዋምን መረጋገፂ’ዩ። ኣብዚ መድረኽ ዓብይ ተስፋ ሒዙ ክምፅእ ትፅቢት ዝግበረሉ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክውን ኮይኑ አሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብፕረዝደንት እቲ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ፌደራል መንግስቲ ተዛትዩ ኣሎ። ኣብ ትካላት መንግስቲ’ውን ዑደት ኣካይዱ ኣሎ። ኣብቲ ዘተ ፅቡቕ ምርድዳእ ከምዝነበረ’ውን ተገሊፁ ኣሎ። እቲ ልኡኽ ካብቲ ዘተን ዑደትን ዝረኸቦ ሓሳብን ተሞክሮን ሒዙ ኣብ ፖለቲካዊን፣ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ሕወየት ትግራይ ዓብይ ስራሕ ንክሰርሕ ትፅቢት ይግበረሉ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብዚ መድረክ ሓዱሽ ምዕራፍ ብዘይ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩሉ ዓቕሚ ኣዋዲዱ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብምንጣፍ ኢኮኖሚ እቲ ክልል ናብ ዝነበሮ ምንቅስቓስ ክመለስ ትፅቢት ይግበረሉ ። ቅድሚ ሐዚ ንንግድን ኢንቨስትመንት ዓጋቲ ዝነበሩ ኣሰራርሓታትን ኣወሃህባ ግልጋሎትን ብምምሕያሽን ብምቕያርን ሰብ ሃፍቲን ነጋዶን ንቲ ማሕበረሰብ ብዘይጎድእ መገዲ ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ንክነግዱን ንክሰርሑን ፤ ንቲ መንእሰይ ድማ ዕድል ስራሕ ንክፈጥሩን ክገብር ኣለዎ። ኣብ ማሕበራዊ ሕወየት ‘ውን ጥዕናን ትምህርትን ሓዊሱ ኣብ ስነ ልቦና ዝተፈጠረ ፀቕጢ ንክሓዊ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ይግባእ። ተምሃሮ ናብ ትምህርቶም፣ ሓረስቶት ናብ ሕርሽኦም፣ሰራሕተኛ መንግስትን ውልቀን ናብ ቤት ዕዮኡ፣ነጋዳይ ናብ ንግዱ ኮታስ ኩሉ ህዝቢ ናብ ንቡር ስራሑ ንክምለስ ዘኽእል ፋይናንሳዊን ምቹው ባይታን ንክፈጥር ምስ መንግስቲ ፌደራል ተዋዲዲ ንክሰርሕ ትፅቢት ይግበርሉ። ጉዑዞ ሰላምን ቅሳነትን ንክሰምር።
ፍሉይ ፀብፃባት
ፅሑፋት
”ንደቀይ ዘበን ተሳጋሪ ታሪኽ ኣውሪሰ ኣለኹ”
Apr 2, 2025 1165
ነባሪት ከተማ ሻሸመኔ ወይዘሮ ኣሰለፈች ፀጋዬ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ዝጅምር ኣትሒዘን በቢዓመቱ ቦንድ ይገዝኣ ።በዚ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝዓደገኦ መጠን ቦንድ ሓደ ሚሊየን ብር በፂሑ ይርከብ። ብስራት ምቕማጥ እምነ ኹርናዕ ግድብ ህዳሰ ካብ ዝተሰምዐሉ ግዘ ፈላማይ ዕድጊት ቦንድ ዝፈፀማ ወይዘሮ ኣሰለፈች፤ ተስፋ ሃገረን ሰሚሩ ንምርኣይ ዘለወን ሃንቀውታ ኣሰረን ንምንባር ዘኽእለን ዕድል ብምርካበን ተሓጒሰን። ናይ መጀመርታ ቦንድ እንትዕድጋ ዝሓለፈ ትውልዲ ማይ ኣባይ እንተይተጠቐመሉ ዘበናት ብምምሕላፉ፤ ካብ ነስሓ ብምብጋስ ናይዚ ታሪኽ ኣካል ንምዃን ንግድብ ህዳሰ ቦንድ ንምዕዳግ ንባዕለን ዝኣተወኦ ቃል ሓሊየን ፀኒሐን ኢየን። ስረሐይ ኣብዚ እቶ ዝበሃል ኣይኹን እምበር ካብ ፍቕሪን ክብሪን ሃገረይ ኣይበልፅን ዝብላ እተን ወይዘሮ፤ ቦንድ ብምግዘእ ሃገረን ዝወከላ ኮይኑ ከምዝስመዐን ገሊፀን። ”ንደቀይ ዘበን ተሳጋሪ ታሪኽ ኣውሪሰ ኣለኹ” ብምባል፤ ካብ ችርቻሮ ዕዳጋአን ብዘይምስሳዕ ክሳብ ሕዚ ቦንድ እናዓደጋ ንሃገር ዘለወን ፍቕሪ እናርአያ ከምዝኾና ገሊፀን። እቲ ግድብ እንትዛዘም ሪቫን ንምቑራፅ ከምዝተሰናደኣን ኣብዛ ታሪኻዊ ዕለት ክርከባ ከምዝደልያን እውን ተዛሪበን፡፡ ”ንደቀይ ዘበን ተሳጋሪ ታሪኽ ኣውሪሰ ኣለኹ” ደጊም ድልየተይ ዝሰመረ ይመስል ፡፡ተመስገን ኹሉ ፀፅብቑ ንደቀይን ንሃገረይን እምነ፡፡