ፀገም ፈታሕቲ ስራሕቲ ፈጠራ “ምፍጣርን ምቕልጣፍን” ዝብል ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ሽቶኡ ንምብፃሕ ርኡይ ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ እዮም




 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /12/2017 (ኢዜኣ) ፀገም ፈታሕቲ ስራሕቲ ፈጠራምፍጣርን ምቕልጣፍንዝብል ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ሽቶኡ ንምብፃሕ ርኡይ ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝኾኑ ምክትል ከንቲባን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትርን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ገሊፆም።

ሓሳብ ፈጠራ ንብሩህ ፅባሕኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ክካየድ ንዝፀንሐ ውድድር ሓሳብ ፈጠራ ንግዲ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ይሳለጥ ኣሎ።

ምክትል ከንቲባን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትርን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሰለስተ ዙራት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሓሳብ ፈጠራ ንግዲ ዝተባባዕ ውጽኢት ተመዝጊቡ እዩ።

እቲ ውድድር፤ መንእሰይ ፈጣሪ ስራሕ፣ተወዳዳርን ኣብ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ እታ ሃገር ዝለዓለ ተሳትፎ ንክህልዎን ካብ ምኽኣል ብተወሳኺ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዘለዎ ዓቕሚ ንምውጻእ ዕድል ፈጢሩ እዩ ኢሎም።

መናእሰይ ዘፈልፍልዎም ፀገም ፈታሕቲ ሓሳባት ፈጠራ ብዘላቕነት ኣብ ረብሓ ንምውዓል ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ብፍላይ ድማ ዝምዕብሉ ስራሕቲ ፈጠራ ካብ ሃገር ሓሊፎም ዓለም ለኸ ተደላይነት ንክህልዎም ምስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

መንግስቲ በቢእዋኑ ፅሬቶም፣ድሕንነቶምን ፀገም ፈታሕቲ ምዃኖምን ዝተረጋገፁን ዝተመረፁን ስራሕቲ ፈጠራ ተግባራዊ ንምግባር እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣረዲኦም።

ከም ኣብነት እውን እቲ ውድድር ሓሳብ ፈጠራ ሓደ መርኣያ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ድማምፍጣርን ምቕልጣፍንዝብል ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ሽቶኡ ንምብፃሕ ርኡይ ኣስተዋጸኦ እናበርከተ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ሓላፊ ቢሮ ስራሕን ክእለትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጥራቱ በየነ ብግደኦም፤ ስራሕቲ ፈጠራ መናእሰይ ኩነታት መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽ ርኡይ ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም