ቁጠባ
ኣብ 11 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ካብ ንግዲ ወጻኢ ልዕሊ 7 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ
Jun 19, 2025 17
  ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /12/2017 (ኢዜኣ) ኣብ 11 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ካብ ንግዲ ወጻኢ 7 ነጥቢ 21 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ። መበል 38 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚ 11 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ዘትዩ። ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ በጀት ዓመት ኣብ ታሪኽ ንግዲ ወጻኢ እታ ሃገር ዝለዓለ ኣታዊ ተረኺቡ። ካብ ጠቕላላ ንግዲ ወጻኢ 4 ነጥቢ 59 ቢልዮን ዶላር ንምርካብ ተተሊሙ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ብምዝኽኻር፤ ኣብ ኣፈፃፅማ ልዕሊ እቲ ትልሚ 7 ነጥቢ 21 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሓቢሮም። ኣብ መወዳእታ እቲ በጀት ዓመት ልዕሊ 8 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝርከብ ትፅቢት ይግበር እውን ኢሎም። ኣብ 11 ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ካብ ንግዲ ወጻኢ ዝተረኸበ ምስ በጀት ዓመት 2016 እንትነፃፀር ልዕሊ 3 ነጥቢ 96 ቢልዮን ዶላር ወሰኽ ከምዘርኣየ ተዛሪቦም። ኣብ ማክሮ ኢኮኖሚ ውፅኢታዊ ካብ ዝኾኑ ኢኮኖሚያዊ ውፅኢታት ዓውዲ ንግዲ ወጻኢ ልዑል ኣፈፃፅማ እናተመዝገበሉ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም። ኣብ ንግዲ ወጻኢ ምችው ምህዳር ምፍጣሩ፣ዝተፈላለዩ ማሕለኻታት ሕግን ኣሰራርሓን ምፍትሖም፣ምስ ለኣኽትን መዳርግቲ ኣካላትን ብዝሓሸ ምውዳድ ስለዝተሰርሐ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ልዑል ኣታዊ ምርካብ ከምዝተኽኣለ ገሊጾም።
ቀፃሊ ክረምቲ ስሩዕን ልዕሊ ስሩዕን መጠን ዝናብ ትፅቢት ይግበር-ኢንስቲትዩት ሜትሮሎጂ ኢትዮጵያ
Jun 18, 2025 31
  ኣዲስ ኣበባ /11/2017/ኢዜኣ/ቀፃሊ ክረምቲ ስሩዕን ልዕሊ ስሩዕን መጠን ዝናብ ትፅቢት ይግበር ክብል ኢንስቲትዩት ሜትሮሎጂ ኢትዮጵያ ገሊፁ። ኣብዚ ቀፃሊ ክረምቲ ስሩዕን ልዕሊ ስሩዕን መጠን ዝናብ ትፅቢት ይግበር ክብሉ ምክትል ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሜትሮሎጂ ኢትዮጵያ ኣሳምነው ተሾመ (ዶ/ር) ሓቢሮም። ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ሓምለን ነሓሰን ትፅቢት ዝግበር ስሩዕን ልዕሊ ስሩዕን መጠን ዝናብ ንስራሕ ልምዓት ግብርና እቲ ሓረስታይ ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም። እቲ ትካል ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ብምዃን ውሕጅ ከጥቀዖም ዝኽእሉ ቦታታት ብምፍላይ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ እቲ ሓረስታይ ካብ ሕዚ ጀሚሩ ጥንቃቐ ንክገብር ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣብ ዘበነ ፍርያት 2017/18 ዓ/ም 21 ሚልዮን ኩንታል መዳበሪያ ሓመድ ናብ ኢትዮጵያ ተጎዓዒዙ ብመሰረታዊ ማሕበራት ኣቢሉ ንሓረስታይ ንኸከፋፈል እናተገበረ እዩ ። ትልሚ መፍረያይነት ዝራእቲ ዘበነ ፍርያት 2016/17 መበገሲ ብምግባር ዝሓሸ ልምዓት ግብርና ንምስላጥ ዘኽእል ምድላው እናተገበረ ከምዝርከብ ተፈሊጡ ኣሎ። ተበግሶ ልምዓት ግብርና ሓረስቶት ብምዕባይ 20 ነጥቢ 43 ሚልዮን ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ብምሽፋን ልዕሊ 650 ሚልዮን ኩንታል ፍርያት ንምእካብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ብሃገር ደረጃ ትልሚ ምህላዉ ኣመልኪቶም ።
21 ሚልዮን ኩንታል መዳበሪያ ሓመድ ናብ ውሽጢ ሃገር ይጎዓዓዝ ኣሎ-ሚኒስቴር ግብርና
Jun 18, 2025 26
  ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 11/2017 (ኢዜኣ) ንዘበነ ፍርያት 2017/18 ዓ/ም ዝውዕል መዳበሪያ ሓመድ ናብ ውሽጢ ሃገር እናተጎዓዓዘ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ። ኣብዚ ዘበነ ፍርያት 20 ነጥቢ 43 ሚልዮን ሄከታር መሬት ብዘርኢ ብምሽፋን ልዕሊ 659 ሚልዮን ኩንታል ፍርያት ንምእካብ ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐ እዩ ዝርከብ። ኣብ ሚኒስቴር ግብርና መራሒ ፈጻሚ ስራሕ ልምዓት ዝራእቲ ኢሳያስ ለማ ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ሉኣላዊነት ምግቢ ምርግጋፅ ዘኽእል ስራሕ እናተሳለጠ እዩ። ስለዝኾነ እውን ኣብ መስኖ ሓጋይ፣ክረምቲ፣ቀውዕን ካልኦት ኣማራጽታት ልምዓት ዝራእትን ብምስፍሕፋሕ ኣብ መፍረያይነት ግብርና ጭቡጥ ውፅኢት እናተመዝገበ ከምዝርከብ ገሊጾም። ሉኣላዊነት ምግቢ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ምድላው መሬት፣ቀረብ መዳበሪያ ሓመድን ሙሩፅ ዘርእን ኣወንታዊ እጃም እናበርከቱ ከምዝኾኑ እውን ተዛሪቦም። ብፍላይ ድማ ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ምድላው ሕርሻ ቅድሚ ምግባሩ ዕድጊት መዳበሪያ ከምዝፍፀመን እቲ ሓረስታይ ኣብ እዋኑ እታዎት ዝረኽበሉ ዕድል ከምዝፈጠረን ሓቢሮም። ኣብ ዘበነ ፍርያት 2017/18 ዓ/ም 21 ሚልዮን ኩንታል መዳበሪያ ሓመድ ናብ ኢትዮጵያ ተጎዓዒዙ ብመሰረታዊ ማሕበራት ኣቢሉ ንሓረስታይ ንኸከፋፈል እናተገበረ እዩ ኢሎም። ትልሚ መፍረያይነት ዝራእቲ ዘበነ ፍርያት 2016/17 መበገሲ ብምግባር ዝሓሸ ልምዓት ግብርና ንምስላጥ ዘኽእል ምድላው እናተገበረ ከምዝርከብ ኣረዲኦም። ተበግሶ ልምዓት ግብርና ሓረስቶት ብምዕባይ 20 ነጥቢ 43 ሚልዮን ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ብምሽፋን ልዕሊ 650 ሚልዮን ኩንታል ፍርያት ንምእካብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተዛሪቦም።
ባህር ዳር ተፈጥሮን ጥበብ ሰብን እንትዋደዱ እንታይ ክፈጥሩ ከምዝኽእሉ እናርአየት እያ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Jun 16, 2025 33
  ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 9/2017(ኢዜኣ) ባህር ዳር ተፈጥሮን ጥበብ ሰብን እንትዋደዱ እንታይ ክፈጥሩ ከምዝኽእሉ እናርአየት እያ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም። ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ኣማኻሪ ሚኒስትር ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስትር ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት፣ሚኒስትራትን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓን ከተማ ባህርዳር ዝኣተዉ እንትኸውን፤ ኣብ ከተማ ባህር ዳር እንትበፅሑ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልል፣ኣቦታት ሃይማኖት፣ዓበይቲ ዓድን ነበርቲ እታ ከተማን ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሎም። እቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ፌዴራል ምስ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደን ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልልን ብምዃን ስራሕቲ ልምዓት እታ ከተማ ይዕዘቡ ኣለዉ። ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብዚ እዋን፤ ሓለፍቲ ስራሕ ክልል ኣምሓራን ህዝቢ ከተማ ባህር ዳርን ንፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ንዝገበርዎ ድሙቕ ኣቀባብላ ኣመስጊኖም። ባህር ዳር ተፈጥሮን ጥበብ ሰብን እንትዋደዱ እንታይ ክፈጥሩ ከምዝኽእሉ እናርአየት እያ ክብሉ እውን ገሊፆም።
ካብ ልምዓት ስርናይ መስኖ ሓጋይ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 107 ሚልዮን ኩንታል ፍርያት ተኣኪቡ-ሚኒስቴር ግብርና
Jun 16, 2025 36
  ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 9/2017(ኢዜኣ) ብልምዓት ስርናይ መስኖ ሓጋይ ካብ ዝተሸፈነ 3 ነጥቢ 5 ሚልዮን ሄክታር መሬት ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 107 ሚልዮን ኩንታል ፍርያት ከምዝተኣአበ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ። ፈፃሚ ስራሕ መራሒ ልምዓት ዝራእቲ ሚኒስቴር ግብርና ኢሳያስ ለማ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ መፍረያይነት ግብርና ንምዕባይ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም። ኣብዞም ስራሕቲ እውን ኣብ ዓውዲ ግብርና ጭቡጥ ለውጢ ምምፃእ ከምዝተኽኣለ ብምሕባር፤ ኣብ ልምዓት ስርናይ ብዝተሰርሐ ስራሕ ዝተረኸበ ውፅኢት ነዚ ዓብዪ መርኣያ እዩ ኢሎም። ኣብዚ ዓመት እውን መፍረያይነት ንምዕባይ ኣብ ልምዓት መስኖ ሓጋይ 4 ነጥቢ 2 ሚልዮን ሄክታር መሬት ንምሕራስ ብምትላም ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ተዛሪቦም። ካብቲ ዝተትሓዘ ትልሚ 3 ነጥቢ 5 ሚልዮን ሄክታር መሬት ብዘርኢ ከምዝተሸፈነን ካብዚ ድማ ክሳብ ሕዚ 107 ሚልዮን ኩንታል ፍርያት ስርናይ ከምዝተኣከበን ኣፍሊጦም። ኣተኣኻኽባ ፍርያት ስርናይ መስኖ ኣብ ውሽጢ ዝቕፅሉ 15 መዓልትታት ንምዝዛም ብትኹረት እናተሰርሕ ከምዝርከብ እውን ኣረዲኦም። ብሓፈሻ በቶም ዝተሳለጡ ስራሕቲ ግብርና ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል ዝግበር ፃዕሪ ዝድግፍ ውፅኢት እናተረኸበሉ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ድሕንነት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ብምርግጋፅ ንህንፀቱ ኣስተዋፅኦ እናገበርና ኢና-ኣመራርሓን ኣባላትን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር
Jun 15, 2025 47
  ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 8/2017(ኢዜኣ) ድሕንነት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ብምርግጋፅ ንህንፀቱ ኣስተዋፅኦ እናገበርና ኢና ክብሉ ኣመራርሓን ኣባላትን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ገሊፆም። ኣብ እዚ ምዕራብ መበል 3ይ ዓመት ምስረታ ሕዳሰ ኮር 404 “ሕዳሰ ብሕዳሰ ኮር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተኸበረ እዩ ዝርከብ።ኣባላት እቲ ሰራዊት እውን ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ጎብንዮም። ኣብ ዑደቶም እውን ኣሰር መላእ ኢትዮጵያውያን ዝዓረፈሉ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣብ መዛዘሚ ምዕራፍ ምብፅሑ ምዕዛቦም ከምዘሕጎሶም ተዛሪቦም። ምክትል ኣዛዚ እዚ ምዕራብ ሜጀር ጄኔራል ሙላቱ ጀልዴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣብዚ ምዕራፍ ንክበፅሕ መላእ ኢትዮጵያውያን ዘይተሓለለ ፃዕሪ ገይሮም እዮም። ሰራዊት ምክልኻል ህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ጋህዲ ንክኸውን ድሕንነት እቲ ግድብ ካብ ምሕላው ጀሚሩ ትፅቢት ዝግበረሎም ኩሉ ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም። ኣብ እዚ ምዕራብ ዋና ኣዛዚ ኮር ሪጅን ሶስት ብርጋዴር ጄኔራል ዘመኮንን ኣበራ ከምዝበልዎ፤ እቲ ሰራዊት ልኣላዊነት ኢትዮጵያ ንምሕላውን ግቡኡ ብብቕዓት ንምውፃእን ካብ ዝኾነ እዋን ብዝበለፀ ድሉው እዩ። ሕዳሰ ኮር ሰላምን ፀጥታን ከባቢ እቲ ግድብ ንምኽባር ዝገብሮ ዘሎ ስራሕ ብኣግባቡ እናተዋፅአ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ስራሕ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ ኢሎም። ኣብ እዚ ምዕራብ ኣባል ኮር 403 ሌተናል ኮሎኔል ፍሰሃ ጥላሁን ብግደኦም፤ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ትንፋስ መላእ ኢትዮጵያውያን ስለዝኾነ እቲ ሰራዊት ኩሉ ግዜ ሰላም እቲ ከባቢ ኣብ ምሕላው ከምዝርከብ ኣረዲኦም። ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣብዚ ሕዚ ዝበፅሐሉ ብርኪ ንክበፅሕ እቲ ሰራዊት ኣድላይ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ብምሕባር፤ እዚ ግድብ ኣብዚ ብርኪ ምብፅሑ ከምዘሐጎሶም እውን ገሊፆም። ኣብ እዚ ምዕራብ ኣባል ኮር 403 ሌተናል ኮሎኔል ቴዎድሮስ ዘመነ፤ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ መርኣያ ‘መንፈስ ይከኣል እዩ ኢትዮጵያውያን’ እዩ ኢሎም። ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንሃገር በረከት ኣብ ዝኾነሉ ብርኪ ብምብፅሑ ከምዝተሓጎሱ እውን ተዛሪቦም።
ካብቲ ዋና መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ርሒቖም ዝርከቡ ዜጋታት ተጠቀምቲ ሓይሊ ንምግባር ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ውፅኢታዊ እዮም-ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን
Jun 13, 2025 44
  ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 6/2017 (ኢዜኣ) ካብቲ ዋና መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ርሒቖም ዝርከቡ ዜጋታት ተጠቀምቲ ሓይሊ ንምግባር ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጂነር ሀብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ገሊፆም። ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጂነር ሀብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብቲ ዋና መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝረሓቑ ክፋላት ሕብረተሰብ ተጠቃሚ ሓይሊ ንምግባር ስራሕቲ ምቕራብ ኣማራፂ ሓይሊ ተሳሊጦም እዮም። ሶላር ኢነርጂ ብመስፍሕፋሕ ብርክት ዝበሉ ክፋላት ማሕበረሰብ ተረባሕቲ ምግባር ከምዝተኽኣለ ብምሕባር፤ ትካላት ጥዕናን ትምህርትን ሓዊሱ ካልኦት ንሕብረተሰብ ኣግልግሎት ዝህቡ ትካላት ሓይሊ ምብጻሕ ተኻኢሉ እዩ ኢሎም። ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ልዕሊ 10 ሽሕ ዓማዊል ተረባሕቲ ሶላር ከምዝተገበረ ብምግላፅ፤ ካብቲ ዋና መስመር ዝረሓቑ ከባብታት ኣማራፂ ሓይሊ ናይ ምቕራብ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ሓቢሮም። ኣብቲ ሚኒስቴር ፈፃሚ ስራሕ ልምዓትን ሽግግርን ቴክኖሎጂ ኢነርጂ ገጠር ብርሃኑ ወልዱ ብግደኦም፤ እቲ ሚኒስቴር ካብቲ ዋና መስመር ሓይሊ ርሒቖም ንዝርከቡ ክፋላት ማሕበረሰብ ኢነርጂ ሶላር ኣብ ምስፍሕፋሕ ከምዝርከብ ተዛሪቦም። ክሳብ ሕዚ እውን ኣብ 18 ከተማታት ገጠር ምስፍሕፋሕ ከምዝተኽኣለ ብምግላፅ፤ በዚ ድማ ነበርቲ ተጠቀምቲ መብራህቲ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ንኣናእሽቲ ቴክኖሎጂታት ማለት እውን ውፅኢታት ስራሕ ሓፂነ መፂንን ዕንፀይትን፣እንዳ መጥሓንን ካልኦት ኣገልግሎታትን እናወዓለ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ብተወሳኺ እውን ካብቲ ዋና መስመር ሓይሊ ርሒቖም ዝርከቡ ትካላት ሓይሊ ንክረኽቡ ኣብ ምግባር ኣብ ትካላት ጥዕናን ኣብያተ ትምህርትን ናይ ምብጻሕ ስራሕ እናተሳለጠ ከምዝርከብ ሓቢሮም።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ከባቢ ጀርመን ኣደባባይ ኣብ ምህናፅ ዝርከቡ መንበሪ ኣባይቲ ይዛዘሙ ኣለዉ -  ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
Jun 13, 2025 29
  ኣዲስ ኣበባ /ሰነ/6/ 2017 /ኢዜኣ/ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ከባቢ ጀርመን ኣደባባይ ኣብ ምህናፅ ዝርከቡ መንበሪ ኣባይቲ ይዛዘሙ ኣለዉ ክብላ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን ፡፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መንበሪ ኣባይቲ ብቕልጡፍን ፅርየትን ንምህናፅ ብፍሉይ ትኹረት ይስራሕ ኣሎ ። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መንበሪ ኣባይቲ ብቕልጡፍን ፅርየትን ብዝተፈላለዩ መማረፂታት ንምህናፅ ብፍሉይ ትኹረት ይስራሕ ኣሎ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ኣዳነች ኣቤቤ፡፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መንበሪ ኣባይቲ ብቕልጡፍን ፅርየትን ንምህናፅ ብፍሉይ ትኹረት ይስራሕ ኣሎ ። እተን ከንቲባ ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ከባቢ ጀርመን ኣደባባይ ኣብ ምህናፅ ዝርከቡ መንበሪ ኣባይቲ ዝበፅሕሎም ብርኪ ዕብየት ተመልኪተን ። ኣብቲ እዋን ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድልየት መንበሪ ኣባይቲ ንምምላእ ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት መንበሪ ኣባይቲ ይህነፁ ምህላዎም ታዓዚበን። ዝተረፉ ስራሕቲ ብቕልጡፍ ብምዝዛም ተወሰኽቲ ስራሕቲ ህንፀት ኣባይቲ ናይ ምክያድ ስራሕቲ ድማ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ዘለወን እምነት ገሊፀን፡፡ ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምቅላል ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ኣብ ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ ዘለዎም ተሳትፎ ምስ መንግስቲ ብምኹን ተሳትፎኦም ዝያዳ ንከዕብዩ እተን ከንቲባ ኣብ እቲ ኣጋጣሚ ፀዊዐን
ፎረም መዳርግቲ ኣካላት  ንስርዓት ቁፅፅር ኦዲት ብምጥንኻር ተሓታትነት ንምርግጋፅ ምችው ኩነታት ፈጢሩ እዩ-እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ
Jun 11, 2025 57
  ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 4/2017 (ኢዜኣ) ፎረም መዳርግቲ ኣካላት ኦዲት ኣሰራርሓ ትካላት ብምፍታሽ ስርዓት ቁፅፅር ንምጥንኻርን ተሓታትነት ንምርግጋፅን ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ምምሕዳርን ቁፅፅርን ወፃኢ መንግስቲ ኣፍሊጡ። እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣብ ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2017 ፎረም መዳርግቲ ኣካላት ኦዲት ዝጠመተ ዘተ ኣሳሊጡ። ኣካቢት እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ የሺመቤት ደምሴ(ዶ/ር) መዛዘሚ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ፎረም መዳርግቲ ኣካላት ኦዲት ኣቕሪበን። እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ፤ ትካላት ፌዴራል ብመንግስቲ ኣብ ዝተበጀተ በጀት ዘለዎም ኣጠቓቕማ፣ፖሊሲታት፣ ስትራቴጂታት፣ሕግታት፣ስርዓታት ኣሰራርሓን ትልምታትን ኣብ ምፍታሽ ብትኹረት እናሰርሐ እዩ ኢለን። እቲ ፎረም ፈጸምቲ ትካላትን ካልኦት ቀወምቲ ኮሚቴታትን ንፀብፃብ ኦዲት ዝህብዎ ትኹረት ንክውስኽ ዕድል ከምዝፈጠረ እውን ሓቢረን። ስለዝኾነ እውን ኣብዚ በጀት ዓመት ምስ ኦዲት ተኣሳሲሩ ሪእቶ ካብ ዝተውሃቦም ትካላት ውሽጢ ንሰለስተ ትካላት መጠንቀቕታ ፅሑፍ ከምዝተውሃምን ነቶም ሓለፍቲ ድማ ገንዘብ ከምዝተቐፅዑን ብምግላፅ፤ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሓዊሱ ን7 ትካላት መንግስቲ መጠንቀቕታ ፅሑፍ ንክበፅሖም ከምዝተገበረ እውን ኣረዲአን። ፎረም መዳርግቲ ኣካላት ኦዲት፤ ኣሰራርሓ ትካላት ብምፍታሽ ስርዓት ቁፅፅር ንምጥንኻርን ተሓታትነት ንምርግጋፅን ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረ ገሊፀን። ኣብቲ ዘተ፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ትካላት ፌዴራልን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም።
ኢትዮጵያ ንእሽተይ ሕርሻ ዘለዎም ሓረስቶት መፍረያይነቶም ንከዕብዩ ኣገልግሎት ኢንሹራንስ ፋይናንስ እናቕረበት እያ
Jun 11, 2025 42
  ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 4/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ተቓላዕቲ ዝኾኑን ኣብ ንእሽተይ ሕርሻ ዘፍርዩን ሓረስቶትን ኣርባሕትን ዓቕሚ ፋይናንሶም ብምዕባይ ፍርያትን መፍረያይነቶምን ንክውስኽ ደገፍ እናተገበረ ከምዝኾነ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ገሊፆም። ተቓላዕነት ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ቀረብ ፋይናንስን ኣብ ንእሽተይ ሕርሻ ዘፍርዩ ሓረስቶት ጠመተ ዝገበረ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ። ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ብመሰረት መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ንዓውዲ ግብርና ዝሃበቶ ትኹረት ፍርያትን መፍረያይነትን ብዝበለፀ ምዕባይ ኽኢላ እያ። ስለዝኾነ እውን ንነዊሕ ዓመታት ሃገራዊ ቀረብ ስርናይ ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምሽፋን ካብ ወጻኢ ዝኣትው ኣትሪፍና ኢና ክብሉ ሓቢሮም። ሓቛፍን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምፅዋር ዘኽእልን መመሓየሺ ኢኮኖሚ ከምዝተገበረ እውን ገሊፆም። ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር በቢዓመቱ ትተኽሎም ፈልስታት ፍርያትን መፍረያይነትን ካብ ምዕባይ ብተወሳኺ ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ እናሓገዘ እዩ ኢሎም። ኢንሼቲቭ ትሩፋት ሌማት እውን ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅን ስርዓት ኣመጋግባ ዜጋታት ንምቕያርን ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ኣረዲኦም። እቲ ፖሊሲ ልምዓት ግብርናን ገጠርን ንእሽተይ ሕርሻ ንዘለዎም ሓረስቶት ቀረብ ልቓሕ ፋይናንስ ብቐሊሉ ንክረኽቡ ዕድል ከምዝሃበ ተዛሪቦም። ስለዝኾነ ድማ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ተቓላዕቲ ዝኾኑ ሓረስቶትን ኣርባሕትን ዓቕሚ ኢንሹራንስ ፋይናንሶም ብዝበለፀ ንከጠናኽሩ ብምሕጋዝ ፍርያትን መፍረያይነቶምን ንክውስኽ ደገፍ እናተገበረ እዩ ኢሎም። ሓቛፊ ስርዓት ፋይናንስ ብምዝርጋሕ ልምዓት ገጠር ንምርግጋፅ ምትሕብባርን ዝተዋደደ ኣሰራርሓን መዳርግቲ ኣካላት ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ሓቲቶም።
እንተተሓጋጊዝና ኣብ ስርቂ ዝሳተፉ ኣካላት ምቕናስ ንኽእል ኢና -ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)
Jun 11, 2025 45
  ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/4/ 2017 /ኢዜኣ/እንተተሓጋጊዝና ኣብ ስርቂ ዝሳተፉ ኣካላት ምቕናስ ንኽእል ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ገሊፆም ። ኣብ ግዕዚይና ዝኣተዉ ንምቕናስ ኣካላት ማሕበረሰብ ንግዲ ምስ መንግስቲ ተሓባበርቲ ክኾኑ ይግባእ ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ መላእ ሃገር ምስ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ንግዲ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ካብ ተሳተፍቲ ንዝተልዓሉሎም ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ሂቦም። እቶም ቀዳማናይ ሚኒስትር ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ መንግስታዊ ስርቂ ዘይምህላዉ ዳግም ኣረጋግፅ ኢሎም። ንሕና እንረኽባ ሃፍቲ ሙሉእ ንሙሉእ እነውዕሎ ኣብ ኢትዮጵያ ኢዩ ብምባል፦ ነዚ እውን ኣብ ከባቢ ኣዋሬ ዝተርኣየ ለውጢ እኹል መረዳእታ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ኣብ ትካላት መንግስቲ ኣገልግሎት ንምርካብ ብላዕ ዝሓቱ ሰራሕተኛታት ኣድላዩ ስጉምቲ ከምዝውሰድ እውን ኣረጋጊፆም። እዚ ንምግባር ንክከኣል ማሕበረሰብ ንግዲ ንኣብነት ኣብ ቤት ዕዮ እቶት ብላዕ ኣብ ዝሕተቱሉ እዋን ንመንግስቲ ሓበሬታ ብምሃብ ንክተሓባበሩ ኣተሓሳሲቦም። እንተተሓጋጊዝና ኣብ ስርቂ ዝሳተፉ ኣካላት ብምትሕብባር ምእላይ ከምዝካኣል ኣረዲኦም። ካብዚ ወፃእ መረዳእታ ኣብ ስርቂ ብብሄር፣ ሃይማኖትን ሰፈርን ሰብ ንምፅላም ዝቐርቡ ጥርዓናት ግን ንውሳነ ሓገዝቲ ቅኑዓትን ዘይምዃኖም ተዛሪቦም።
ብትግበራ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ኣሳታፍን ተረባሕነት ዜጋታት ዘረጋግፅን ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ተፈጢሩ እዩ-ሚኒስትር ሙፈሪሃት ካሚል
Jun 10, 2025 25
  ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 3/2017 (ኢዜኣ) ብትግበራ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ኣሳታፍን ተረባሕነት ዜጋታት ዘረጋግፅን ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ከምዝተፈጠረ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን። ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ምስ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ብምትሕብባር ዘዳለዎ ካልኣይ ምዕራፍ 5ይ ዙር ዘተ ፓነል ምእንተ ኢትዮጵያ “ፈጠራ ዕድል ስራሕ ምእንተ ኢትዮጵያ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ኣዳማ ይሳለጥ ኣሎ። ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ኣብዚ እዋን ብበይነ መረብ ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ ከምዝበልኦ፤ ኢትዮጵያ ብተፈጥሮኣውን ሰብ ስራሕን ሃፍትታት ዝማዕበለት ሃገር ምዃና ስዒቡ ሃፍትታታ ኣብ ረብሓ ንምውዓል እናሰርሐት እያ። ስለዝኾነ እውን ዘለዋ ፀጋ ብምጥቃም ልምዓት ክእለት፣ፈጠራ ዕድል ስራሕን ርክብ ሰራሕተኛን መስርሕን ብምትእስሳር ዝነኣዱ ውፅኢታት እናመዝገበት ከምትርከብ ሓቢረን። ብትግበራ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ኣሳታፍን ተረባሕነት ዜጋታት ዘረጋግፅን ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ምፍጣር ከምዝተኽኣለ እውን ሓቢረን። ጉዳይ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ጉዳይ ህልውና ዜጋታት ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ፀጋ ዝተወሰኸሉ ተበፃሕነት ዕድል ስራሕ ምርግጋፅ ወሳኒ እዩ ኢለን። ስለዝኾነ እውን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ፣ልምድን ተመኩሮን ሃገራት ዝቀሰመን ሓደሽቲ ኣማራፅታት ስራሕ ተበፃሒ ዝገበረን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ትኹረት ከምዝተገበረሉ ተዛሪበን። ዓውዲ ውልቀ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ዘለዎ ዓቕሚ ብምጥቃም ተረባሕነት ዜጋታት ምርግጋፅን ንሓቛፋይ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ዘበርክትዎ ኣሰተዋጽኦ ምጥንኻርን ትፅቢት ከምዝግበረሎም ኣተሓሳሲበን።
እቲ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ኩሎም ዘፈራት ዝነኣዱ ውፅኢታት እናመዝገበ እዩ-ሚኒስትር ኣሕመድ ሽዴ
Jun 7, 2025 54
  ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 30/2017 (ኢዜኣ) እቲ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ኩሎም ዘፈራት ዝነኣዱ ውፅኢታት እናመዝገበ ከምዝኾነ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም። እቶም ሚኒስትር ገንዘብ ኣብ ጉዳያት እዋናዊ ኣፈፃፅማ ኢኮኖሚ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ እቲ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘላቒ ዕቤት ኢኮኖሚ ምምዝጋብ ኣብ ዘኽእል ዝተባባዕ ከይዲ ከምዘሎ ሓቢሮም። ኣብ ወርሒ ሓምለ በጀት ዓመት 2017 ተግባራዊ ዝተገበረ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ እኹል ምድላው ተገይርሉ ተግባራዊ ብምዃኑ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ውፅኢታት ንክምዝገቡ ከምዘኽኣለ ተዛሪቦም። ሸርፊ ወፃኢ ብዕዳጋ ንክውሰን፣ፖሊሲ ፊስካልን ሓዱሽ ፖሊሲታት ገንዘብን ተግባራዊ ምግባሮም፣ኢንቨስትመንት ዘተባብዑ ዝተፈላለዩ መመሓየሽታት ሕጊ ምግባሮም ልዑል ውጸኢት ንክምዝገብ ከምዘኽኣሉ ገሊፆም። ንግዲ ወጻኢ ኢትየጵያ ልዑል ዕቤት ምምዝጋብ ምኽኣሉ እውን ውፅኢት ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ እዩ ኢሎም። ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብቲ በጀት ዓመት 8 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዘመዝግብ ትፅቢት ይግበር ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ እቲ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ነዚ ወሳኒ እጃም ከምዘለዎ ኣረዲኦም። ብተወሳኺ እውን እቲ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ልዑል ዕቤት ኣታዊ ንክምዝገብ ከምዘኽኣለ ብምሕባር፤ እቲ መመሓየሺ ናህሪ ዋጋ ንክቕንስ ከምዝገበረ ሓቢሮም። ኩሎም ትካላት ልምዓት መንግስቲ ማለት እውን ኣፈፃፅማ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ኢትዮ-ቴሌኮም፣ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ካልኦትን ብዝለዓለ ኩነታት ኣብ ምዕባይ እዩ ዝርከብ ኢሎም። ሆልዲንግ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ እውን ኣብ ኢኮኖሚ ዝገብሮ ኣስተዋጽኦ ብዝበለፀ ንክጠናኸር ምክትታል ኢሉ እውን ብመዳይ ኢንቨስትመንት ምስሓብ ዝነኣዱ ውፅኢታት እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም። እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢንቨስትመንት ኣብ ምስሓብ ዓብይ ውፅኢት ከምዘምፀአ እውን ፀሪሖም። ኣብዚ በጀት ዓመት መንግስቲ ልዑል ድጎማ በጀት ከምዝገበረ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ተመን ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ዕዳጋ ንክውሰን ስለዝተገበረ ክፍጠር ዝኽእል ዝነበረ ፅልዋ ምፅዋር ከምዘኽኣለ ተዛሪቦም። ኣብ ቀጻሊ እውን በቲ ትግበራ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝተረኸቡ ዓወታት ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ከምዝስራሕ ሓቢሮም።
ዘይተደመረ ዓቕሚ፣ሃፍትን ፍልጠትን እቲ ንሓስቦ ብልፅግና ኣየረጋግፅን-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jun 7, 2025 47
  ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት /30/2017 (ኢዜኣ) ዘይተደመረ ዓቕሚ፣ሃፍትን ፍልጠትን እቲ ንሓስቦ ብልፅግና ኣየረጋግፅን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብ ከባብታት ቆላ ኢትዮጵያ ዝተወሰደ ለውጢ ኣረኣእያ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ እቲ ሓደ ለውጢ ኣረኣእያ ዝመፀሉ ሰብ፣መሬትን ፍልጠትን ኢትዮጵያ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ክንጥቀመሉ ኣለና፣ክንድመር ኣለና ዝብል ከምዝርከቦ ሓቢሮም። ስለዝኾነ እውን ኣብ ከባብታት ቆላ ኢትዮጵያ ዘሎ ሃፍቲ ሰብ፣መሬትን ማይን ንልምዓት እታዎት ንክኸውን ትኹረት ተዋሂቡ እናተሰርሐ ከምዝኾነን እዚ ድማ ቀንዲ ኣተሓሳስባ መደመር ከምዝኾነን ኣረዲኦም። ልምዓት ቆላ ኣካል ምፍላጥ እታ ሃገር፣ምፍላጥ ሃፍትናን ዓቕምናን ከምኡ እውን ኣብ ምጥቃም ዘለና ድሌት እዩ ኢሎም። ሃፍቲ እታ ሃገር ብኣግባቡ ከይፈለጥና፣ዓቕምና ከፈለጥናን ሓሲብና ምድማር ከይኸኣልናን እቲ ንሓስቦ ብልፅግና ምርግጋፅ ኣይንኽእልን ክብሉ እውን ተዛሪቦም። ደቡብ ኦሞ ከም መርኣያ ዝፀርሑ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ዘሎ ሃፍቲ ማይን መሬትን ኣብ ግምት ብምእታው 145 ኪሎ ሜትሮ ዓብይ ካናል ከምዝተሰርሐ ገሊፆም። እዚ ማሽን ብምጥቃም ምልማዕ እንተተኻኢሉ ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣልን ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅን ኣብ ንገብሮ ፃዕሪ ዘለዎ ኣስተዋጽኦ ልዑል እዩ ኢሎም። ብተመሳሳሊ እውን ክልላት ሶማሌ፣ዓፋርን ከባቢ ቦረና ክልል ኦሮሚያን ተመሳሳሊ ሃፍቲ ዘለዎም ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ከባቢ ቆላ ሰፊሕ ሃፍቲ መሬት ዝርከበሉ ከባቢ ከምዝኾነ ወሲኾም ሓቢሮም። ከባብታት ቆላ ብምኽንያት ተፈጥሮኣዊ ኣቀማምጣ መሬቶም ሃፍቲ ማይን መሬትን ብማሽን ንምጥቃም ምችው ኩነታት ዘለዎ እዩ ኢሎም። ስለዝኾነ እውን እዞም ከባብታት ከየልማዕና ልኣላዊነት ምግብን ብልፅግናን ብዝተማልአ መንገዲ ከምዘይመፅእ ኣገንዚቦም።
ካብ ተፀባይነት ንምውፃእ ዘሎ ራኢ ንክዕወት ኢትዮጵያውያን ፃዕሪ ክገብሩ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jun 7, 2025 45
  ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት /30/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ካብ ተፀባይነት ሙሉእ ብሙሉእ ሓራ ብምውፃእ ዓርሳ ንክትኽእል ዝተትሓዘ ሽቶ ንክዕወት ኢትዮጵያውያን ብዝለዓለ ትግሃት ክሰርሑ ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ተፀባይነት ሓደገኛ ስምብራት ኢትዮጵያ እዩ። ኢትዮጵያ ትኣክል ዓባይ ሃገር ዓርሳ ምምጋብን ዓርሳ ምኽኣልን ኣብይዋ ንካልኦት ምልማና ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉ ጉዳይ እዩ ኢሎም። ንሕና ተደጊፍና ተፀባይነት ክነውርስ የብልናን፤ ንሕና ለሚንና ልመና ክነሸጋግር የብልናን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ተፀባይነት ኣባና ከቋርፅ ከምዘለዎ ሓቢሮም። መንግስቲ ተፀባይነት ዝፈጠሮ ልዑል ስምብራት ብምፅጋን ካብ ተፀባይነት ምውፃእ ጥራሕ ዘይኮነስ ረዳኢ ወይ ድማ ሓጋዚ ብምዃን ለውጢ ክነምፅእ ኣለና ዝብል ፅኑዕ ቅዋም ከምዝሓዘ እውን ተዛሪቦም። እዚ ኣብ ግምት ብምእታው እውን ክሳብ ታሕተዋይ ብርኪ ኣመራርሓ ብምውራድ ኣብቲ ጉዳይ ምስ ህዝቢ ሰፊሕ ዘተ ከምዝተገበረ ብምግላፅ፤ ካብቲ ህዝቢ ዝተረኸበ ምላሽ እውን ዘሕጉስ ከምዝነበረ ኣረዲኦም። ንቐልጥፍ፣ንፍጠርን ንስራሕን፣ልመና ይኣኽለና ሓባራዊ ድምፂ ኢትዮጵያውያን እዮም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ካብ ተፀባይነት ንምንጋፍ ሓባራውን መንግስታውን ቅዋም እዩ ኢሎም። መንግስትን ህዝብን ብዘሳለጥዎም ስራሕቲ ዝረኣዩን ዝጭበጡን ለውጥታት ምምፅኦም እውን ሓቢሮም። ነዚ ድማ ኣብ 2013 ዓ/ም ኣብ ኢትዮጵያ ከባቢ 27 ሚልዮን ተመፅዋታይ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፤ እዚ ቁፅሪ ተመፅዋታይነት ኣብ 2017 ዓ/ም ናብ 3 ነጥቢ 9 ሚልዮን ከምዝወረደ ከም ኣብነት ገሊፆም። 23 ሚልዮን ህዝቢ ካብ ተፀባይነት ምውጻእ ሓደ መርኣያ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ዝተረኸበ ውፅኢት ዓብይ ዓወት እዩ ኢሎም። መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ዓመታት ኢትዮጰያ ካብ ተፀባይነት ሙሉእ ብሙሉእ ሓራ ንምውፃእ ትልሚ ኣቐሚጡ እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም። ካብ ተፀባይነት ንምንጋፍ ዓርስኻ ንምኽኣልን ከምኡ እውን ንካልኦት ንምሕጋዝ ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት እቲ ህዝቢ ዝጀመሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ንክቕፅለሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
 ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ካብ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝተበገሰ፣ካብ ካልኦት ዝተምሃረ፣ብልክዕና ዝተሰርሐ ሪፎርም እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jun 6, 2025 54
ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት /29/2017(ኢዜኣ) እቲ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ካብ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝተበገሰ፣ካብ ካልኦት ዝተምሃረን ብልክዕና ዝተሰርሐን ሪፎርም እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ መበገሲ ሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዓርስኻ ካብ ምርኣይ ዝጀመረ እዩ። እቲ ኢኮኖሚ ምኽፋት ኣድላዪ ምዃኑ ደሕሪ ምእማን ብተመሳሳሊ ኩነታት መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ናብ ዝገበራ ሃገራት ልኡኻት ብምልኣኽ ልምዲ ንምውሳድ ሰፊሕ ፃዕሪ ተገይሩ ኢሎም። እቶም ቀዳማይ ሚኒሰትር ብዛዕባ ዕብየት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ፣ እዋናዊ ፈተናታትን ቀፃሊ ኣንፈትን ጠሚቶም ኣብ ዝገበርዎ ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ትግበራ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዝርዝር ኣረዲኦም። እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘድለየሉ ብዓለም ለኸ ተካል ገንዘብ ወይ ባንኪ ዓለም ፅዕንቶ ዘይኮነስ ኣብ ኢተዮጵያ ዘለዉ ኩነታት እቲ ኢኮኖሚ ክፍቲ ንክግበር ብምግዳዶም ከምዝኾነ ሓቢሮም። እቲ መመሓየሺ ተግባራዊ ንምግባር ምስ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ትካል ገንዘብ ዓለም፣ ባንኪ ዓለምን ዝተፈላለያ ማሕበራትን ትካላትን ዓምዩቕ ዘተ ከምዝተገበረ ኣረዲኦም። ብምቕፃል ኣብቶም ዘተታት ዝተረኸቡ ለምዲታትን ነባራዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ብምግንዛብ ብሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ 1ን 2ን ኣቢሉ እቲ ኢኮኖሚ ከምዝተኸፈተ ኣዘኻኺሮም። ብመሰረት እዚ መሃያ ናይ ምኽፋልን ካልኦት ፀገማትን ንምፍታሕ ፈለማ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ መመሓየሺ 10 ቢሊየን ዶላር ብምትእኽካብ ዕዉት ትግበራ ከምዝተፈፀመ ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ቀጥታ ምስ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ) ወይ ካብ ካሊእ ቦታ መፂኡ ዝተፅዓነ ነይ ካልኦት ባህጊ ከምዘይኮነ ኣረዲኦም። ከም ኣብነት እቲ ትካል ናይ ኢትዮጵያ ሪፎርም ሓሳብ ድሕሪ ምቕራቡ ብ7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ክትግበር ይኽእል ኢዩ ዝብል መከራኸሪ ኣቕሪቡ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም። ይኹን እንበር ኣብ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ተኸፈልቲ ትሑት መሃያ ከምዝኾኑ ብምሕባር ወሰኽ መሃያ እንተዘይተገይሩ እቲ ሪፎርም ሓደጋ ከምዘጋጥሞ ቅዋምና ብምግላፅ ኣፍሊጥና ኢና ኢሎም። መንግስቲ ብሓፈሻ እናተለቀሐ ፀኒሑ ልቐሑ ምምላስ ዘይኽእለሉ ብርኪ ብምብፅሑ ርክብ መንግስቲን ባንኪን ብሕጊ ምምራሕ እንትጅምር ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ክወድቕ ኢዩ ዝብሉ ስግኣታት ምቕራቦም እውን ገሊፆም። ብመሰረት እዚ ብናይ ኢትዮጵያ ድልየትን ሕቶን ንማክሮ ኢኮኖሚ መመሓየሺ 10 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ንክኸወን ብምስምማዕ ናብ ተግበራ ተኣትዩ ኢሎም። 10 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር እኹል ዘይምዃኑ ገሊፆም፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ መንግስቲ ንዘበናዊ ዱኽዒ፣ ነዳዲ፣ ሴፍቲኔት፣ መድሓኒት 350 ቢሊየን ብር ድጎማ ከምዝተገበረ ገሊፆም። እቲ ዱጎማ ንምቕፃል ካብ ኣይ ኤም ኤፍን ባንኪ ዓለምን ካብ ሕድሕዶም 3 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ከምኡወን ካብ ኣለቃሕቲ ኢትዮጵያ ናይ ዕዳ ሽግሽግ ብምግባር እቲ ሪፎርም ምትግባሩ ኣረዲኦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፤ እቲ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ካብ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝተበገሰ፣ካብ ካልኦት ዝተምሃረን ብልክዕና ዝተሰፈየን ሪፎርም ስለዝኾነ ውፅኢት ተረኺብሉ እዩ ኢሎም። ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዝተተግበረ ዘይምዃኑ ብምግላፅ፥ ድልየት ኢትዮጵያ መሰረት ብምግባር፣ ናይ ካልኦት ሃገራት ልምዲ ብምውሳድን ብምምኻርን ብፍልጠት፣ ጥበብን ዓምዩቕ ዘተን ተግባራዊ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም