ምኽፋት ምህዳር ፖለቲካ ኣብ 2010 ዓ/ም ዝወሰንናዮ ቁልፊ ውሳነ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ምኽፋት ምህዳር ፖለቲካ ኣብ 2010 ዓ/ም ዝወሰንናዮ ቁልፊ ውሳነ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 11/2017(ኢዜኣ) ምኽፋት ፖለቲካዊ ምህዳር ኣብ 2010 ዓ/ም ዝወሰንናዮ ቁልፊ ውሳነ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ካብቲ እዋን ጀሚሩ ንነዊሕ ዘበን ዝፀንሐ ውድባት ተቓወምቲ ጌርካ ካብ ምርኣይ ሕጋዊ ተናሓናሕቲ ጌርካ ብምትእንጋድ ዲሞክራሲያዊ ሃዋሁ ንምፍጣር ጠንኪርና ሰሪሕና ኢና ኢሎም።
እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ስግግር ሰላማዊ ባህሊ ንሕንሕ ንቀፃሊ ተስፋ ኢትዮጵያ ኣድላይ ስለዝኾነ ኣብ ምትእምማን መሰረት ዝገበረ ከምዝነበረ እውን ሓቢሮም።
እዚ ቅዋም ሒዝና እውን ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምስ ዝተመዝገቡ ውድባት ተኸታታሊ መድረኸ እናካየድና ፀኒሕና ኢና ክብሉ ፀሪሖም።
ሎሚ እውን ኣካል ኣብዚ ሰሙን ነሳልጦም ዘለና ዘተታት መዳርግቲ ኣካላት ዝኾነ ዘተ ምስ ውድባት ፖለቲካ ኣሳሊጥና ኢሎም።
እዚ ድማ ካብ ዝመፅሉ ከባቢ ዝለዓሉ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ብምድማፅ እታዎት ንምውሳድ ዝዓለመ ከምዝነበረ ኣረዲኦም።