ኢትዮጵያ እቲ ዞባ ብቀረብ ሓይሊ ንምትእስሳር ብቆራጽነት እናሰርሐት እያ-ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ እቲ ዞባ ብቀረብ ሓይሊ ንምትእስሳር ብቆራጽነት እናሰርሐት እያ-ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /10/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ እቲ ዞባ ብቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምትእስሳር ብቆራጽነት እናሰርሐት ከምዝኾነት ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ገሊጾም።
መበል 4ይ ዓመታዊ ኮንፈረንስ ፍትሓዊ ተጠቃምነት ሩባ ናይልን ዞባዊ ምትእስሳርን ይካየድ ኣሎ።
እቲ መድረኽ፤ “ዞባዊ ምትእስሳር ሓይሊ ንሓቛፍን ዘላቕን ልምዓት” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወጻኢ ምስ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያን Konrad Adenauer Stiftungን ብምትሕብባር ዘዳለዎ እዩ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)፣ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጂነር ሀብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)፣ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወጻእን ሰላምን ዲማ ነገዎ (ዶ/ር)፣ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወጻኢ ጃፋር በድሩን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዞባዊ ውህደትን ምትሕብባር ኣጀንዳን ንምዕዋት ወሳኒ እዩ።
ምትእስሳር ሓይሊ እቲ ዞባ ንኩለመዳያውን ዘላቕን ልምዓት ሃገራት ኣፍሪካ እምነ ኩርናዕ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ጭቡጥ ዝኾነ ምትእስሳር ሓይሊ ንምፍጣር ብቆራፅነት እናሰርሐት እያ ትርከብ ኢሎም።
ግድብ ኣፍሪካውያን ዝኾነ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ሓደ መርኣያ ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም።
ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ንኬንያ፣ሱዳንን ጅቡትን ሓይሊ እናቕረበት ከምዝኾነት ብምሕባር፤ ኣብ ቀጻሊ እዚ ብምስፍሕፋሕ ንሶማሊያ፣ደቡብ ሱዳንን ታንዛንያን ንምቕራብ ኣብ ከይዲ ከምዝኾነት ተዛሪቦም።
እቲ ዞባ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ምትእስሳሩ ንፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ምስፍሕፋሕ ኢንዱስትርን ምርግጋፅ ዘላቒ ልምዓትን ወሳኒ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።